ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድሃኔ--ኒሕ ዝወለዶ ሰናይ ተበግሶ


ተመሳሳሊ ማሕንቖ ኣብ ካልኦት ተቐዳደምቲ ንኸይድገም
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:00 0:00

ተመሳሳሊ ማሕንቖ ኣብ ካልኦት ተቐዳደምቲ ንኸይድገም

መድሃኔ ተኽለማርያም ኣብ ን/ዞ/ጋላ ነፍሒL ዓዲ-ቀ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝነብረን ኣብ ሞያ ምምህርና ዝሰርሕ ዘሎ ወለንታዊ ዓላሚ ብሽክለታት’ዩ። መድሃኔ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ኤርትራ ንዝመጽኡ ጀመርቲን ድሌት ዘለዎምን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ብምዅስኳስን ብምዕላምን ናብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጋንታታት ንኽሰጋገሩን ካብኡ ሓሊፎም ኣብ ደረጃ ፕሮፌሽናላት ክበጽሑ ባይታ ዝፈጠረ ኣብነታዊ መምህር እዩ።

መድሃኔ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 2007-2009 ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ከም ዝነበረን ብሰንኪ ሕጽረት ቍጠባ ካብቲ ዝፈትዎ ስፖርት ከም እተፈለየን ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ንኡኡ ዘጋጠሞ ኣብ ካልኦት ክድገም የብሉን ካብ ዝብል ናብዚ ወለንታዊ ተግባር ከም ዝኣተወ ይሕብር።

ነቶም ቤተ-ሰብ ዘይብሎም ካብ ዞባታት ዝመጽኡ ጀመርቲ ተቐዳደምቲ ምስኡ ኣብ ገዛኡ ብምዕቋብ መደቀሲ ሂቡ ዝበልዖ እናበልዑ ክሳብ ጋንታታት ዝረኽቡ ከም ዘጽንሖም መድሃኔ ይሕብር። ብመገዱ ሓሊፎም ልዕሊ 36 ደቂ ተባዕትዮን 15 ደቂ ኣንስትዮ ተቐዳደምቲን ኣብ ዓበይቲ ጋንታታት ከም ዝጽንበሩን ንሃገር ወኪሎም ዝወዳደሩን ብደረጃ ፕሮፌሽናላት ኮይኖም ዝጻውቱ ተቐዳደምቲ ከም ዘፍረየ ብኣብነት ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ 2016 በዓሉ ዝመስረታን ዝኣልያ፡ 6 ደቂ ኣንስትዮን 30 ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ንዘለዋ ጋንታ ጽንዓትንጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓራግን ኣብ ምስልጣን ከም ዝርከብ ዝሓበረ መድሃኔ፡ እቶም ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ውጽኢትን ዓወትን የመዝግቡ ከም ዘለዉ ኣብሪሁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG