ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ደቅና ባኒ ክልምኑ ይውዕሉ ኣለዉ" ኤርትራውያን ስደተኛታት


 “ደቅና ባኒ ክልምኑ ይውዕሉ ኣለዉ” ኤርትራውያን ስደተኛታት
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:26 0:00

“ደቅና ባኒ ክልምኑ ይውዕሉ ኣለዉ” ኤርትራውያን ስደተኛታት

(ኣዲስ ኣበባ) ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ረድኤት ብዘይምርካቦም ከም ዝተፀገሙ ይገልፁ። ንድሕንነቶም ብምስጋእ መንነትና ከይግለፅ ዝበሉ ስደተኛታት ንድምፂ ኣመሪካ ብስልኪ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ መዓስከራት ማይዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ሓደ ሽሕን 700 ስደተኛታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም። እንተኾነ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ስለ ዘይንረክብ፡ ንኸቢድ ፀገም ተቓሊዕና ኣለና ይብሉ። ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ብዘይምህላው፡ ኣብ ቀረባ እዋን 20 ሰባት ብሕማም ከምዝሞቱ እውን ሓቢሮም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ርእይቶ ኣይረኸብናን። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብወገኑ፡ “ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣገልግሎት ክነቕርበሎም ከም ዘይንኽእል ኣቐዲምና ነጊርናዮም ኢና፡ ሕዚውን ናብቲ ከባቢ ክንበፅሕ ኣይንኽእልን፡” ዝብል ናይ ኢሜይል መልሲ ሂቡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG