(ዋሽንግተን) ጎነጽ ዝተሓወሶ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ምቅጻል መካይን፡ ባእሲን ማእሰርቲን ገለ ካብቶም ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫላት ወጻኢ ሃገራት ኤርትራ ዝረኣዩ ዘለዉ ተደጋገምቲ ክስተታት’ዮም። እዞም ፈስቲቫላት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎም ኰይኖም፡ እቶም ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ሃዲሞም ዝመጽኡ ወገናት፡ እቲ ዝሃደሙሉ ጨቋኒ ኣገባብ ኣብ ደገ’ውን ክስዕቦም ኣይቅበሉን።
መንግስቲ ኤርትራ ግን “ብናይ ሓሶት መንነት ዑቕባ ዝሓተቱ” ክብል ይነጽጎም።
ኣብታ ብምልካዊ ስርዓት እትመሓደር ኤርትራ፡ ኣብ ደገ ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታት ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ተዓፊኑን ባይታ ስኢኑን ዘሎ ኩነታት ይመስል። ኣብታ ናጽነት ፕረስ ዘይብላ፡ ዜጋታት ንደገ ንኽገሹ መውጽኢ ቪዛ ዝሕተቱላን ሃገር፡ ጠንቂ ስደተ ናይ ብዙሓት መንእሰያት እታ ሃገር፡ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
እዞም ጎንጺ ዝርኣየሎም ዘሎ ፈስቲቫላት ኤርትራ እምበኣር፡ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ክልተ ዝተኸፋፈለ፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ካብታ ሃገር ሃዲሞም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝርከቡ’ሞ ሕጂ ኣንጻሩ ዝለዓዓሉ ዘለዉ ተሪር ነቕፌታ’ዩ ዘለዎ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ፡ “ነቲ ንዓመታት ብሰላማዊ መንገዲ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫላት ኤርትራ ብናይ ደገ ዕሱባት ጌርካ ንምዝራጎም ዝግበር ኮንቱ ሃቐነ’ዩ። እዚኣቶም ከኣ ብናይ ሓሶት መንነት ዑቕባ ዝሓተቱ’ዮም” ክብል ገሊጹዎም።
ካብ መንጎ’ቶም ነዚ ተቓውሞ ዘካይዱ፡ በየነ ገብረዝጋብሄር ዝተባህለ ነባሪ ኤውሮጳ ግን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዘይካ’ቲ ብኣካል ዝግበር ተቓውሞ፡ ምስ ዝምልከቶም መላፍንቲ ኣካላት፡ ብዛዕባ በደላት መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ከም ዝለዋወጡ ይነግር። እቲ ምንቅስቓስ ብሕጋዊን ደሞክራሲያዊን ኣገባብ ለውጢ ንኸምጽእ ክሰርሕ ምዃኑ ድማ በየነ ይጠቅስ።
እቲ ፈስቲቫላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ብዝብል መጽውዒ ዝፍለጡ መንእሰያት’ዩ ተቓውሞ ዝጎንፎ ዘሎ።
ገለ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለወን መራኸቢታት፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ምስ ትግራይ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይኸሳ። ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝጣበቕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ካሳ ሃይለማርያም ዝተባህለ ግን “ንዓመታት ዝኸደ ምልክሊ ኤርትራ፡ ሕጂ ናብ ትግራይ ከተጸግዖ ፍጹም ቅብሉ ኣይኰነን፡” ብምብላ ኣብቲ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ከም ዘይብላ ይምጕት።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጊሰን ጀርመን ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ወገናት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከቝስሉ እንከለዉ፡ ፈንጺጎም ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ቦታ ንምእታው ደጋጊሞም ፈቲኖም። ካብኣቶም፡ ፖሊስ ንሓያሎ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ’ዩ። ኣብ ሽወደን ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ተቓወምቲ ንፖሊስ ጥሒዞም ቴንዳታት ኣቃጺሎም፡ መካይን’ውን ኣንዲዶም። ብሰንኪ እቶም ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ዝነበሩ ወገናት ድማ ብዳርጋ እምኒን በትሪን 52 ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ከም ዝቖሰሉ መራኸቢታት ሽወደን ጸብጺበን። ፖሊስ ሽወደን ሚእቲ ካብቶም ተቓወምቲ ኣሲሩ’ዩ።
ሚኪኤል ክብረኣብ ዝተባህለ ተቓዋሚ እቲ ፈስቲቫል ንሓደ መደበር ቴለቪዥን ሽወደን፡ “እዚ ፈስቲቫል ዘይኰነስ ንህጻናት ጽልኢ ዝምህሩሉ መድረኽ’ዩ፡” ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ነይሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ድማ ኣብ ቶሮንቶ ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ኣብ ፓርክ ዝግበር ዝነበር ፈስቲቫል እቲ ከተማ ንኽስርዞ ተገዲዱ።
ካልኦት ፈስቲቫላት ግን ብዘይ ተሪር ተቓውሞ’ዮም ተኻዪዶም። ተሳተፍቲ እዞም ፈስቲቫላት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ባንዴራ ሒዞምን ናይ ዓወት ምልክታት ክገብሩን ይርኣዩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብጉዳይ ሰብኣዊ ኣተሓሓዛ ኤርትራ ወትሩ ምስ ነቐፉ’ዮም።
ሰኑይ ብፍሉይ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝቐረበ ረፖርት ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ተላኢኹ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንስድራ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ዝገብሮ ኣዝዩ ቀጻዒ ተግባራት ተዘርዚሩ ቀሪቡ ኣሎ። ነቲ ብሱዳናዊ ኮሚሽነር መሓመድ ባቢከር ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፡” ክብል ምላሽ ሂቡ።
ጸብጻብ ካራ ኣና ካብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ
ቅጥዒ