ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ሓገዝ ምብጻሕ ጀሚሩ


Ethiopia Food Aid Suspension
Ethiopia Food Aid Suspension

(ዋሽንግተን) ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግርም መግቢ ዓለም (WFP)፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያዊያን ይልእኾ ዝነበረ ረድኤት እኽሊ ድሕሪ ምቁራጽ፣ ሰለይ እናበለ ይጅምሮ ኣሎ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትዘራረብ ዘላ ኣመሪካ ግን እቲ መስርሕ ዕደላ ኣብ ትሕቲ ከባቢያዊ ሰበ ስልጣን ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ምትዕርራያት ክሳብ ዝግበረሉ እዋን ነቲ ዘቋረጸቶ ልግሲ ከም ዘይትቕጽሎ ኣፍሊጣ ኣላ።

ንኣሶሴትድ ፕረስ ርእይቶ ዝሃበ ፕሮግራም መግቢ ዓለም "ኣብ ኣርባዕተ ከባቢታት ክልል ትግራይ ንኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ቅድሚ ሰሙን ረድኤት ምዕዳል ከም ዝጀመረ" ጠቒሱ ኣሎ።

ትግራይ ድሕሪ’ቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝተካየደ ኲናት ትሓዊ ኣላ ዝብል ኣሶሴትድ ፕረስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣብ’ቲ ጸገም ቀንዲ ተሓታቲ ከምዝኾነን ንሓባራዊ መስርሕ ምጽራይ ከም ዝተሰማመዐን ኣምሲሉ ዝስማዕ መግለጺታት’ ጎዳኢ ፕሮፓጋንዳ ክብል ይነጽጎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ብባንኪ ዓለም ዝድገፍ ከም ዝኾነ ትካል ተራድኦ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ምጥቃሱ ኣሶሴትድ ፕረስ ጠቒሱ ኣሎ።

ሓላፊት USAID ሳማንታ ፓወር ብወገነን "ሰባት እቲ ኣመሪካ ዘቋረጸቶ ልግሲ መዓስ ከምዝጅምሮ ይሓቱ እዮም። እንተኾነ ኣብ ሓጺር እዋን ነዊሕ ተጓዒዝና ኣለና። ልባዊ ድልየትና ነቲ ረድኤት ክንጅምሮ እዩ፡" ከምዝበላ ትካል ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG