ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ደሞክራሲ ኣብ ደምና’ዩ”--ሞዲ፣ ብዙሓት ግን ኣይሰማምዑን


US President Joe Biden and India's Prime Minister Narendra Modi wait for a meeting with senior officials and CEOs of American and Indian companies, in the East Room the White House in Washington, DC, on June 23, 2023. (Photo by Brendan Smialowski / AFP)
US President Joe Biden and India's Prime Minister Narendra Modi wait for a meeting with senior officials and CEOs of American and Indian companies, in the East Room the White House in Washington, DC, on June 23, 2023. (Photo by Brendan Smialowski / AFP)

(ዋሽንግተን)--ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነሬንድራ ሞዲ፡ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ቤተ መንግስቲ ናይ ድራር ዕድመ ገይሮም። ባይደን ኣብ ዘረባኦም ናይ ክልተ ሃገራት ነዊሕ ዝምድናን ሽርክነትን ብምጥቃስ ሕጂ’ውን ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ብወገኖም፡ ኣብ ክልተ ሃገራት ዘሎ ተመሳሳልነት፡ ክብሪ ንደሞክራሲን ብዙሕነትን ብምጥቃስ፡ ጽቡቕ ምንይቶቶም ገሊጾም።

እዚ ንፕረዚደንት ባይደን ሳልሳይ ሃገራዊ እንግዶት ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣስታት 400 ዝበጽሑ ኣጋይሽ ካብ በበብይኑ ዓውድታት ተሳቲፎም ነይሮም።

“ደሞክራሲ ኣብ ደምና’ዩ”--ሞዲ፣ ብዙሓት ግን ኣይሰማምዑን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:58 0:00

ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብራ ህንዲ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ብእትገብሮ ዘላ ኣተሓሕዛ ካብ ምምሕዳር ዋሺንግተን ነቕፌታ ክወርዳ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ገና ምስ ሩስያ ዘሎ ኲናት ምስ ቻይና ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ምትፍናንን ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ኰይኑ፡ እታ ኣብ ደሞክራሲያዊ መርሓ ኣብነት ክትከውን ተስፋ ዝግበራ ህንዲ፡ ተደጋጋሚ ምዝሕታል ይርኣያ ከም ዘሎ ነቐፍቲ ይጠቕሱ።

እቶም ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህንዲ ዘለዎም ነቕፌታ ዘስምዑ ዘለዉ ወገናት፡ ባይደን ነቲ ዝምድና ብዋጋ ሰብኣዊ መሰላት ይገብሮ ከም ዘሎ ይሕብሩ። እዚ ግን ብዓይኒ ፕረዚደንት ባይደን ቅቡል ኣይመስልን።

“ንዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ከምዚ ናይ ኣመሪካን ህንዲን ዘይገብሮ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ መንጎ ክልቴና ዝርአ ክብሪ ንደሞክራሲ’ዩ። ክልተና ንደሞክራሲያዊ ኣገባብ ምሕደራ ልዑል ክብሪ ኣሎንና፡” ይብል ፕሪደንት ባይደን።

ንቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ፡ ካብቲ ተደጋጊሙ ዝቐርቦኦም ነቕፌታ ኣብ ልዕሊ ናይ እምነት ውሑዳን ዘርእዩዎ ምጕዕጻጽን ንተቓዋሚ ሓሳባት ንምዕጻው ዝገብሩዎ ቃልሲን’ዩ።

ሞዲ ግን ተጻዋሪ ምዃኖም’ዮም ዝምጉቱ።

“ህንዲን ኣመሪካን ደሞክራዊ ኣብ ደመን ዝሰፈረ’ዩ። ደሞክራዊ ኣብ DNAና ኣሎ። ደሞክራዋኢ ኣብ መንፈስና ይርከብ፡ ደሞክራዊ ድማ ኣብ መትንታት ደምና ይውሕዝ፡” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር።

ልዕሊ 70 ዝዀኑ ሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካ፡ ባይደን ምስ ሞዲ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ ብዛዕባ ሕቶ ደሞክራሲ ኣልዒሉ ክዛረብ ተማሕጺኖም።

ሓደ ካብኣቶም፡ ካብ ሰልፊ ደሞክራት ዝዀኑ፡ ኣባል ሰነት በን ካርዲን’ዮም፤ “ናይ ኣመሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝምድና’ዩ። እዚ ማለት ግን ሃገራዊ ክብርታትና ከይዘንጋዕና ክኸውን ኣሎዎ። ህንዲ ከኣ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝያዳ ክትሰርሕ ከም ዘድልያ ኣየከራኽርን። ውሕስነት ሰብኣዊ መሰላት ንምትግባር ዝያዳ ዕዮ የድልያ።”

እዚ እናዀነ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ፡ ካብቲ ንኣዝዮም ውሑዳት መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ዝወሃብ ክብሪ ተዋሂቡዎም’ዩ። ንኣባላት ባይቶ ኣመሪካ መደረ ከስምዑ ዕድል ረኺቦም። እዚ ንቐዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ዝተዋህበ ናይ ፈለማ ዕድል ምዃኑ’ዩ።

ኣብ መደረኦም ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ስትራተጃዊ ርክብ ጠቒሶም። ገለ ካብኡ ንምክልኻል ዝምልከት ከኸውን እንከሎ፡ ካልእ ከኣ ንቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዝጠቅስ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG