No media source currently available
ሓድሽ ዝተጣየሰ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሑ ንምጅማር፡ ምስቲ ዝጸንሐ ካቢነ ሎሚ ረቡዕ ናይ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ኣካዪዱ። እቲ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ፕረዚደንት፡ ንሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ድማ ኣብ በበይኑ ዘፋራት ብምኽትል ፕረዚደንትነት ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢነ፡ 27 ኣባላት ዝሓቘፈ’ዩ።