ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ካቢነ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ስልጣን ተረኪቡ


Tigray Intermin administration Cabinet
Tigray Intermin administration Cabinet

(መቐለ) ሓድሽ ዝተጣየሰ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሑ ንምጅማር፡ ምስቲ ዝጸንሐ ካቢነ፡ ሎሚ ረቡዕ ናይ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ኣካዪዱ።

እቲ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ፕረዚደንት፡ ንሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ድማ ኣብ በበይኑ ዘፋራት ብምኽትል ፕረዚደንትነት ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢነ፡ 27 ኣባላት ዝሓቘፈ’ዩ።

እቲ ምምሕዳር ካብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሳብ ሓደ ዓመት ዕድመ ገደ ዘበለዎ ኰይኑ፡ 27 ኣባላት ካቢነ ኰይኖም እቲ 51% ካብ ህወሓት፡ እቲ 49% ድማ ካብ ሰራዊት፡ ውድብ ባይቶናን ምሁራንን ዘጠቓለለ’ዩ።

ሓድሽ ፕረዚድነት ኰይኖም ዝተመርጹ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ስራሕ ንምጅማር ባጀት ምፍቃዱ’ውን ሓቢሮም። ምስ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዝሓሸ ምትእምማንን ናይ ስራሕ ርክብን ከም ዘለዉ ዘመልከቱ ኣይተ ጌታቸው፡ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ዝምድና ንምምሕያሽ ኣብ ምስራሕ ከም ዘለዉን ኪንዮኡ ሰጊሮም’ውን ምስ ኤርትራ ክህሉ ንዝኽእል ርክብን’ውን ንሰናይ ጉርብትና ዝብገስ ኣመራርሓ እንተልዩ ንርክብ ድሉዋት ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ሓድሽ ካቢነ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ስልጣን ተረኪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:36 0:00

XS
SM
MD
LG