ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ሹመት ፕሬዝዳንት ምክትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣፅዲቑ፣ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሓደ ኣባሉ ኣልዒሉ


ETHIOPIA-POLITICS-PARLIAMENT
ETHIOPIA-POLITICS-PARLIAMENT

(ኣዲስ-ኣበባ) ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዳኛ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ንዝነበራን ካብ 1995 ጀሚረ ን20 ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ቤት ፍርዲታት ክልል ኦሮምያን ፊደራልን ክሰርሓ ዝፀንሓ ሌሊሴ ደሳለኝ ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ክልል ሶማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፍርዲ ብዳኝነትን ብርክታት ሕግን ከገልግላ ዝፀንሓ ዛሃራ ዑመር ድማ ምኽትል ፕሬዝዳንት ገይሩ ሸይሙ።

በቶም ቀዳማይ ሚንስተር ንዝቐረበ ወሳነ ሓሳብ ሹመኛታት ቤት ፍርዲ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዘቕረቡ ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋየ ብልጂጌ ኮይኖም ፕሬዝዳንትን ምክትልን እቲ ቤትፍርዲ ዝነበሩ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ብምውራዶም ስዒቡ ብሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 82 ዝፍፀም ዘሎ ሙኻኑ ኣብሪሆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ድሕሪ ምዝታይ ብኽልተ ድምፀ ተዓቅቦን ዝበዝሐ ብልጫ ድምፂ ኣፅዲቑዎ። ሹመኛታት ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪበን ቃለ መሓላ ፈፂመን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ቤት ምኽሪ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርስቲ ቡሌ ሆራ ዝነበሩ ኣባል ቤት ምኽሪ ዶ/ር ጫላ ዋታ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክለዓል ወሲኑ። ዶ/ር ጫላ ፕሬዝዳንት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሕጊ ዕድጊት መንግስቲ ካብ ዝፈቕዶ ወፃኢ ብሚልዮናት ዕድጊት ብምፍፃም ንዘየድሊ ኪሳራ ብምስጠሖምን ከምኡ'ውን ምስኡ ተተሓሒዙ ብዝተፈላለዩ ብልሽውና ምጥርጣሮም ካብ ሚኒስትር ፍትሒ ንዘቕረቦ ሕቶ ስዒቡ እዩ እቲ ቤትምኽሪ ውሳንኡ ዘመሓላለፈ። ዶ/ር ጫላ ናይዘይ ምክሳስ መሰሎም ንኸይለዓል መከላኸሊ ነጥብታት ኣትሒዞም ዝተኸራኸሩ ኮይኖም እቲ ቤት ምኽሪ ድ/ር ጫላ ናይ ተቓውሞ ሓሳብ ብምስማዕ ብሓደ ድምፂ ተዓቅቦ ዝበዝሐ ብልጫ ድምፅን ንዝቕረበ ሕቶ ኣፅዲቑዎ። ኣብቲ ውሳነ ድምፀ ተዓቅቦ ዝገበሩ'ውን ባዕሎም ዶ/ር ጫላ ምዃኖም ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG