ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

131 ሽሕ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዓዶም ተመሊሶም


Ethiopian refugee returnees from Saudi Arabia
Ethiopian refugee returnees from Saudi Arabia

(ኣዲስ-ኣበባ) ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ከቢድ ፀገም ዝነበሩ 131 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ስዑድ ዓረብ ከምዘምለሰ ኣፍሊጡ። ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሃገራዊ ኮሚቴ ከምተጣየሸት ዝሓበራ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ፡ ሚኒስትር ድኤታ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፡ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ትልሚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 131 ሽሕ ስደተኛታት ምምላስ ከም ዝተኸኣለ ገሊፀን። እቶም ናይ መወዳእታ ተመለስቲ ድማ ብሰለስተ በረራታት ትማሊ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሓቢረን።

እቶም ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ዜጋታት፣ ናብ በብኽልሎም ከምዝኸዱን ኣብኡ ከምብሓዱሽ ከምዝጣየሹን ዘመልከታ ኣምባሳደር ብርቱካን፣ ኣብዝተፈላለየ ዓውድታት ስራሕቲ ንኽዋፈሩ ዘኽእል መስርሕ ይዝርጋሕ ምህላዉ ድማ ገሊፀን።

ገለ ካብቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተመለስቲ፡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፉ ብምግላጽ፡ ሕዚ’ውን ዝተረፉ ዜጋታት ስለ ዘለዉ ቅልጡፍ ቆላሕታ ክግበረሎም ተማሕጺኖም።

ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ብወገነን፡ ነቶም ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ዓመታዊ ትልሚ እኳ እንተ ተዛዘመ፡ እቲ ስራሕ ግን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ቀፃሊ እዩ ኢለን።

XS
SM
MD
LG