No media source currently available
ንነዊሕ እዋን ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ሶማላውያን ወታሃደራት ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሮም ምምላስ ከም ዝጀመሩ ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተመልሱ ወታሃደራት ኣይተገልጸን።