ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ሶማል ንሃገሮም ምምላስ ጀሚሮም


president somalia in Asmara
president somalia in Asmara

(ዋሺንግተን) ንነዊሕ እዋን ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ሶማላውያን ወታሃደራት ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሮም ምምላስ ከም ዝጀመሩ ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተመልሱ ወታሃደራት ኣይተገልጸን።

ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ሶማል ንሃገሮም ምምላስ ጀሚሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00

እታ ናይ ፈለማ ዙር ወታሃደራት ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ መቓዲሾ ምውራዳ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ኣመልኪቱ። ብዛዕባ’ቶም ንሃገሮም ምምላስ ዝጀመሩ ወታሃደራት ርእይቶ ዝሃበ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር፡ ንኣግልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ከም ዝገለጾ፡ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣሽሓት ወታሃደራት’ውን ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ክስዕቡ’ዮም ኢሉ ኣሎ።

“ሞራሎም ጽቡቕ’ዩ ዘሎ፡ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሕጕሳት’ዮም። ኣብዚ ከኣ ብጽቡቕ ኢና ተቐቢልናዮም፡” ይብል እቲ ሚኒስተር ምክልኻል።

መንግስቲ ሶማልያ ንወተሃደራዊ ተዓሊም ኢሉ ንኤርትራ ዝለኣኾም ወታሃደራት ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝበጽሑ’ዮም። ገለ ካብቶም ወተሃደራት ፍሉይ ስልጠና ከቢድ ብረት፡ ሓይሊ ባህሪን ሓይሊ ኣየርን ምውሳዶም ይፍለጥ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዓብደልቃድር ኑር ከም ዝገልጾ፡ ምምላስ እዞም ወታሃደራት ነቲ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ከበራትዖ ትጽቢት ይግበር። ወሲኹ ድማ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣብ ስራሕ ጸረ ሃገር ተዋፊሮም ኣለዉ ዝበሎም ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዓቢ ሞራላዊ ስዕረት ከም ዘምጽእ ገሊጹ።

ኑር ኣስዒቡ “ምምላስ ናይዞም ወተሃደራት ዓወት ንህዝቢ ሶማልን ዓወት ንምክልኻል እታ ሃገርን’ዩ፡” ክብል ገሉጹዎ።

እቶም ካብ ኤርትራ ዝተመልሱ ወታሃደራት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ስቱር ስፍራ’ዮም ተወሲዶም። ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታ ክሳብ ዝለኣኹ ድማ ኣብቲ ዘይተሓበረ ቦታ ክጸንሑ ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ንተዓሊም ዝተላእኩ ወታሃደራት ሶማል ብዙሕ ከዘራርቡ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ኲናት ኣንጻር ትግራይ ኣብ ጎድኒ ኤርትራ ተሰሊፎም ተዋጊኦም ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ይናፈስ ብምንባሩ’ውን ብዙሕ ምዕዝማማት ኣስዒቡ ነይሩ። መንግስቲ ሶማል፡ ኣብ ሰዓቱ፡ ነቲ ዝናፈስ ዝነበረ ወረታት ደጋጊሙ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ’ዩ። ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማልያ’ውን እቶም ወታሃደራት ሶማል ኣብቲ ኲናት ምስታፎም ዝዀነ ጭብጢ ክረብክ ኣይከኣለን።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ክልተ ግዜ ንኤርትራ ተጓዒዙ ነቶም ወታሃደራት በጺሑ’ዩ። ንሃገሮም ክምለሶም ምዃኑ’ውን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማሊያ ድምጺ ኣመሪካ ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምውካስ ከም ዝኣከቦ፡ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወታሃደራት ብዝሖም 5,167’ዮም።

ኣብ ፈለማ ዙር ንኤርትራ ዝተላእኩ ብ19 ነሓሰ 2019 ምዃኖም’ዩ። ካልኣይ ዙር ኣብ ጥቅምቲ 2019 ድሕሪ ምቕጻሎም ድማ እቲ መስርሕ ክሳብ መጋቢት 2020 በበእብረ ቀጺሉ።

ብቐንዱ ነዞም ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ዘልኣኾም፡ መንግስቲ ሶማል ንዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝትክእ ሓይሊ ኣብ ከናዲ ስለ ዝጸንሐ’ዩ።

ኣብ መጋቢት 2007 ናብ ሶማል ዝኣተዉ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ተልእኾኦም፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ከብቅዕ’ዩ።

XS
SM
MD
LG