ጋዜጠኛ ሉሲ ካሳ ወትሩ ኣብ መንጎ ክልተ ሓጹራት
ጋዜጠኛ ሉሲ ካሳ በርሀ ብሰንኪ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝጸሓፍቶ ብዝወረዳ ምፍርራሕ ካብ ሃገራ ክትወጽእ ተገዲዳ’ያ። ሕጂ ኣብ ስደት እትርከብ ሉሲ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተሸላሚት ጋዜጠኛ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ክትከውን እንከላ፡ ኣብዚ ወርሒ ድማ ብተመሳሳሊ ተሸላሚት ጋዜጠኛ ትካል ማግነስትኪ ኰይና። ሉሲ፡ ብሰንኪ’ቲ መርማሪ ጽሑፋታ ድማ ብተደጋጋሚ ካብ ብዙሓት ወገናት ግዳይ ዘላፋን ምፍርራሕን ኰይና’ያ።