ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት የሎን፡" ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ሃገራት


Asmara
Asmara

“ ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣባል ቤት መኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ክተገልግል ተመሪጻ`ያ፡ እንተኾነ ምስ እማመታት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዘይምትሕብባራ ንሚዛንን ተኣማንነትን`ቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕቶ ዘእቱ`ዩ" ኢሉ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር-ፍሉይ ራፖርተር ንጉዳይ ኤርትራ።

ንሱ ኣተሓሓዙ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ኣብ ዝሰፈሓሉ እዋን፡ ብሓይልታት ኤርትራ ዝግበር ዕጽዋ ፡ ከምኡ ምስጢራዊ ናይ መስቀይቲ ቦታታት፡ ዘይድሩት ሃገራዊ ምልመላ እዚ ኩሉ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣስተዋጽኦ ጌሩ`ሎ ኢሉ።

ኤርትራ ንኣባልነታ ተጠቒማ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተገብረ ግህሰታት ኣህጉራዊ ምጽራይ ከይግበርን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክኢላታት ከይቀውምን ኣንጻሩ ኣድሚጻ`ያ ይብል እቲ ራፖርተር። ንልዕሊ 20 ዓመታት ጋዜጠኛታትን ፖለቲካውያን ተቓወምትን ከምዘለዉ ዝጠቐሰ መሓመድ ባቢከር፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝተኣስሩ`ውን ክፍትሑ ጸዊዑ`ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዳሕራዋይ ክሲ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ብቐጥታ ዝሃቦ ምላሽ የለን- እንተኾነ `ንሃገራት ነጺሉ ዕላማ ዝገብር`ዩ` ብምባል ንምቛም ፍሉያት ራፖርተራት ክቃወም ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ 'ብዛዕባ`ቲ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝፍጸም ግህሰታት ብናጻ ወገን ክጻረ ክጽውዕ ጸኒሑ`ዩ።

ኤርትራ ኣብ 2020 ግጭት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንድሓር ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይና ክትዋጋእ ከምዝጸሐት ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG