ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ባይደን ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ንምዕባይ ይሰርሕ


ምምሕዳር ባይደን ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ንምዕባይ ይሰርሕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

ፕረዚዳንት ጆ ባይደን 35 ግዝኣታት ኣመሪካ ብኤሌክትሪክ ንዝሰርሓ መኻይን ዘገልግል ስርዓት ኤሌክትሪክ ቻርጀር ንክሃንፃ 900 ሚልዮን ዶላር በጀት ከምዝመደቡ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም። እዚ ነቲ ኣብ 2030 ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝሽየጣ መኸይን እተን 50% ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ክኾና ዘተባብዕ ኣካል ልዑል ድልየት ምምሕዳሮም ምዃኑ እዩ።

አብቲ ኣብ ዲትሮይት ምሽጋን ትማሊ ሮቡዕ ዝዳለወ ዓለም ለኸ ምርኢት መኻይኒ ስሜን ኣሜሪካ ዝተረኽቡ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ብኤሌክትሪክ እትሰርሕ ካዲላክ SUV መኪና እናዘወሩ ክፍትንዋ ተራእዮም “Uber” ኢሎም ክቅ፟ይዑ'ውን ተሰሚዖም።

ካብተን ሓደስቲ ናይ ቀረባ እዋን ቀጠልያ ሞዴላት ኣምረቲ መካይኒ ኣሜሪካ ዝጎብነዩ ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ 35 ግዝኣታት ኣሜሪካ መርበብ ኤሌክትሪክ ቻርጀር ንምህናፅ ዝውዕል 900 ሚልየን ዶላር ምምዳቦም ዕላዊ ገይሮም።

“ ኩለኹም ኣካል ናይቲ ኣብ ሙሉእ እዛ ሃገር ዝህነፅ 500,000 መደብራት መርበር መምልኢ ሓይሊ(ቻርጀር) ክትኮኑ ኢኹም።”
እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብቲ ኣብ 2021 ክልቲኣዊ ሕጊ መሰረተ ልምዓት ሃገራዊ መርበብ ኤሌክትሪክ ቻርጀር ንምህናፅ ዝተመደበ 7.5 ቢልየን ዝተረኽበ እዩ።

እቲ ሕጊ, ኤሌክትሪክ ቻርጀር(መምልኢ ሓይሊ) ንምምራት ዘድልዩ ማዕድናት ዝውዕል 7 ቢልየን ዶላርን ከምኡ'ውን 10 ቢልየን ዶላር ድማ ንኣውቶቡሳት መጉዓዝያን ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ዝሓወሰ እዩ።

ባይደን ካልኦት ከም ሕጊ ምንካይ ዝቅ፟ባበ፣ ሰንሰለት ቀረባት ኤሌክትሪክ ቻርጀራት ንምጥንኻር ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝምረት ቺፕስን ሕጊ ሳይንስን ዘገልግል ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብሩ ኣብ ቀረባ ዝተረክቡ ዝበልዎም ዓወታት መውፃእቲ ሕጊ ኣብሪሆም።

“ ከም ሃገር ደረትና ከይንስሕት ስግኣት ኣለና፣ ቻይናን እቲ ዝተረፈ ዓለውን ይስዕቡና ኣለዉ”

ዓለም ለኸ ትካል ፀዓት ዓለም ለኻዊ ብሓይሊ ኤሊክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ኣመልኪቱ ኣብ 2022 ዘውፀኦ ፀብፃብ ከም ዘርእዮ ግን ንቻይናን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ኣቀዲማ ንድሕሪት ዝተረፈት ኣሜሪካ ሙዃና እዩ ዝሕብር። እዛ ሃገር ክትስዕት እንተኮይና ፌደራላዊ ሓገዝ ከምዘድሊ እዮም ተመራመርቲ ዝገልፁ። ቲሞቲ ጆንሰን ኣብ ዩኒቨርስቲ ዱክ ፕሮፌሰር ፀዓትን ከባቢን እዮም።

“ሰባት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ንኽዕድጉ ብቀ፟ሊሉ ቻርጅ ዝገብሩሉ መርበባት ከምዝረኽቡ ርግፀኛታት ክኾኑ ኣለዎም፤ ብፍላይ ካብ ገዛውቶም ርሒቆ፟ም ኣብዝኸድሉ እዋን። ብተመሳሳሊ ካምፓኒታት'ውን መጠን ተደላይነተን ስጋብ ዘይፈለጡ ነተን መርበባት ቻርጀር ክሃንፁ ይፅገሙ እዮም።”

መሸጣ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መኻይኒ ብዕፅፊ ዝወሰኸ ኮይኑ ኣብ 2021 ኣብ ኣሜሪካ ናብ 630,000 ክሽየጣ ከለዋ፣ ኣብ ኣውሮፓ ብ65% ወሲኹ 2.3ሚልየን በፂሑ። ኣብ ቻይና ድማ ከባቢ ሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ 3.3 ሚልየን በፂሑ፤ ማለት'ውን ኣብ መሉእ ዓለም ካብ ዝተሸጣ እተን ከባቢ ፍርቂ ዝኾና ኣብ ቻይና ሙዃነነ'ዩ።

ብመሰረት ሕጊ ምንካይ ዝቅ፟ባበ ቁጠባ ዓደግቲ ኣብ ኣመሪካ እተመርታ ብሓይሊ ኤለክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ካብ ፌደራላዊ ኽፍሊት ግብሪ ክሳብ 7,500 ዶላር ኣሜሪካ ክምለሰሎም ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን 50 ንዝኾና ናይ ወፃኢ ሞዴላት ዝኸውን ግብሪ ናይ ምሕዳግ ዋሕስ ክውዳእ እዩ። ተንተንቲ ኸም ዝገለፅዎ ኣሰራርሓ ንግዲ ምዃኑ እዩ። ኣብ ማእከል ክልቲኣዊ ፖሊሲ ላዕለዋይ ተንታኒ ፖሊሲ ኦወን ሚኖት ከምዚ ይብል

“ኣሜሪካዊያን ምህርትታትን ኣሜሪካውያን ኢንዱስትሪታትን ከነተባብዕ ንደሊ ከምኡ'ውን ግን ሸቶታት ከባቢ ኣየር ንምዕዋት ሰባት ብዝከኣልዎ ኣጋጣሚ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ክዕድጉ ኢና ንደሊ፤”

ካብ ብሓይሊ ነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምምሕዳር መንግስቲ ሚዛኑ ከመዓራሪ ይግባእ።

XS
SM
MD
LG