ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022 ኰይኑ


ኣስመራ: ሎሚ ሰንበት 26 ሰነ 2022፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 171.1 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ መርሃዊ ቅዱስ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ብምዃን ንኻልኣይ ግዜኡ ተዓዊቱ። ካብ ፈለማ ብናህሪ ዝጀመረ ቅድድም፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ብጕጅለታት ክመቓቐልልን ፍልልያት ክስፍሕን ክጸብብን ተራእይሉ ። ኣባል ኣመሪካዊት ክለብ ኢኤፍ ኢድኬሽን ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ንልዕሊ 100 ኪ/ሜ ንቐዳመይቲ ጕጅለ መሪሑ ብምካድ’ዩ ንተቐዳዳሚ ናትናኤል ተስፋጼን ኣኸቲሉ ነቲ ውድድር ተዓዊትሉ።

111.1 ኪ/ሜ ኣብ ዝሸፈነ ናይ ዓበይቲን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቅድድም ፡ ኣባል ጋንታ ዞባ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ ንመወዳድርታ ሰፊሕ ጋግ ብምንጻፍ ዘውዲ ቻምፕዮን 2022 ደፊኣ። ቅሳነት ወልደሩፋአልን ኣድያም ዳዊትን ከኣ 2ይን 3ይን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን። ተመሳሳሊ ርሕቀት ኣብ ዝሸፈነ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ንያት ርእሶም ንሚልኪያስ ቅዱስን ሳምሶን ሃብተን ኣኸቲሉ ቻምፕዮን ክኸውን ከሎ፡ መትከል ገብረገርግሽ ኣብ ጁኒየር፡ 60 ኪ/ሜ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ሮምና ጉዑሽ ቻምፕዮን ኮይኖም።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ፡ን3 ዓመታት ቅድድም ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ጎደናታት ኣስመራ፡ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ንውሩያትን ንጽቡቕ ዝና ንዝነበሮምን ወጻእተኛታት ተቐዳደምቲ ብምስዓር ሓድሽ ታሪኽ ዘመዝገበ ተቐዳዳሚ ቢኒያም ግርማይን ካልኦት ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ንምዕዛብን ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ ዝገብሩዎ ቅልስ ንምርኣይን፡ ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ኣንጊሆም ናብ ጎደናታት ኣስመራ ብምውጻ፡ ተቐዳደምቲ ብዓውታን ፋጻን ሞራል ብምሃብ ነቲ ቅድድም መቐረት ወሲኾምሉ።

ኣብዚ ንመበል 12 ግዚኡ ዝተኻየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022፡ ኣብ ናይ ዓበይቲን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተባዕትዮ ፡ ልዕሊ 11 ፕሮፌሽናላት ዝርከብዎም 86 ተቐዳደምቲ ፡ኣብ ደቂ ኣንስትዮ 1 8 ተቐዳደምቲ ክሳተፉ ከለዉ፡ኣብ ናይ ጁኒየር ውድድር 68 ደቂ ተባዕትዮን 12 ደቂ ኣንስትዮን ተሳቲፎም።

እቲ ውድድር ሓደ ዙርያ 10.1 ኪ/ሜ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ 9 ዙርያ፡ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮን 11 ዙርያ ፡ከምኡ’ውን ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተበዕትዮ 17 ዙርያ ዝሽፍን ውድድር ኣካይዶም።

XS
SM
MD
LG