ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቍጠባ ዓለም ይዝሕትል ምህላዉ ባንክ ዓለም ኣመልኪቱ


world bank
world bank

ሎሚ ሰሉስ መግለጺ ዘውጸአ ባንኪ ዓለም ‘ዓለም ናብ ዝተናወሐ ዘበን ዝሕቱል ምዕባለን ዝተጋደደ ዝቕባበን’ ትኣቱ ከምዘላ፡ ናይ ሎም ዘበን ዕብየት ቁጠባ ዓለም ካብ 1.2% ክሳብ 2.9% ከምዝኾንን አፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ወሲኹ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ኣብ ውድቀት ቁጠባ ከምዝሽመማ’ውን ገሊጹ።

ጠንቂ መብዛሕተኦም እቶም ጸገማት ኮቪድ 19 ከምዝኾነ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር’ውን ካልእ ጸገም ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ዓሚ 5.7% ዓብዩ ዝነበረ ቁጠባ ኣመሪካ ናብ 2.5%5.4% ይዓቢ ዝነበረ ቁጠባ ኤውሮጳ ናብ 2.5%፣ 8.1% ይዓቢ ዝነበረ ቁጠባ ቻይና ድማ ናብ 4.3% ከምዘንቆልቁል፣ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG