ሚድያን ጋዜጠኝነትን ኣብ እዋን ውግእ እንታይ ይመስል? ህይወቶምን ናብረኦምን ኣብ ሓደጋ እናውደቑ ንሓቂ ናብ ህዝቢ ዘቅርቡ ጋዜጠኛታት ዘለዎም ብድሆን ዓለማዊ ኩነትን ዘተኮረ’ውን እዩ። ኣጋይሽና፣ ነዊሕን ህጡርን ተመክሮ ጋዜጠኝነት ዝውንኑ ካብ ቢቢሲ ተመስገን ደበሳይ፣ ካብ ውልቀ ሚድያታት ወናኒ ኣውራምባ ታይምስ ዳዊት ኪዳነን፣ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ዝነበረ ካሊድ ዓብዱን እዮም።
ዘተ፤ ጋዜጠኝነት ኣብ እዋን ቅልውላውን ኲናትን
- በትረ ስልጣን