No media source currently available
ኣብ ሕዳር 2020 ኣ/ፈ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሓይሊታት ትግራይን ኲናት ካብ ዝውላዕ ክልቲኦም ወገናት ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ተጠቒሞምሉ እዮም።ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ክልል ኣምሓራ ብተዋጋእቲ ትግራይ ዘስካሕክሕ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂሙና ብማሕበረሰብ ድማ ተገሊልናን ንዝበላ 14 ደቂ ኣንስዮ ቃለ መሕትት ገይሩ ኣሎ። ሀነሪ ዊልኪንስ ካብ ሰሜን ወሎ ዝለኣኾ ፀብፃብ'ዩ።