ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ዘሎ ቀፃሊ ድርቂ መርኣያ ለውጢ ኩነታት ኣየር እዩ ይብሉ ክኢላታት


ፋይል
ፋይል

ድርቂ ንቀርኒ ኣፍሪካ ሓዱሽ ኣይኮነን።ኣብ ኢትዮጵያ፣ኬኒያን ሶማሊያን ንዘራእትን እንስሳን ኣብ ምቕታል ክብረ ወሰን ምስባሩ ግን ብሰንኪ ተመላላስይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብኡ መጠን ድርቂ እውን እናተመላለሰ ብምምፅኡ እዩ ይብሉ ክኢልታት።ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት ምንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንዝተተጠቕዑ ካብ ምምጋብ ብተወሳኺ ኣብ ነዊሕ እዋንብድርቂ ንዝህሰዩ ማሕበረሰባት ንምሕጋዝ እውን ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

70 ዓመት ዝዕድሚአን ሃዎ ዓብዲ ዎሌ ኣብ መዋእለን ብዙሕ ድርቂ ሓሊፈን እየን።ክሳብ ሎሚ ግን ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ናይ ዝናብ እዋን ከይወቕዐ ዝሓለፈሉ ግዜ ሪአን ከምዘይፈልጣ ይዛረባ።

‘’ዓብይ ለውጢ ኢና ንሪኢ ዘለና’’ ይብላ ንሰን።’’ቀደም ብዙሕ ዝናብ ንረክብ ነይርና፤እንስሳትና ብዙሕ ፀባ ይህባና ነይረን።ዓብይ ዓብይ ለውጢ እዩ ዘሎ’’ ኢለን ሃዎ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንሰን ንዝነብራሉ ናይ ገጠር ዓዲ ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ ኣብ ነዊሕ ካብ ቅልውላው ከመይ ክውፃእ ከምዝክኣል እውን ይሰርሕ ኣሎ።

ዝናብ እንተወቒዑ ማይ ዘዕቁር ሓደ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ባዶ መሬት ይኹዕቱ ኣለው።ማይ እንተድኣ ወቒዑ ኣዕቒሩ ሳዕሪ ኣቡቂሉ ብህይወት ንዝተረፋ እንስስኦም ንምቕላብ እዩ።

ናይ ሳይንስ ሊቃውንቲ ንዞም ተደጋገምቲን ከበድትን ኩነታት ተሓታቲ ለውጢ ኩነታት ኣየር እዩ ይብሉ።ኣብ ኢትዮጵያ ኪኢላ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ኣቡበክር ሳሊሕ ባቢከር ኣብዚ ዞባ እዚ ዘሎ ኩነታት ኣየር ኣብ ጎረቤት ውቅያኖስ ብዝፍጠር ኩነታት እዩ ዝፅሎ ዘሎ ይብል።እዚ ከባቢ ኣዚዩ ብቕልጡፍ እናውዓየ ይኸይድ ዘሎ ትሮፒካዊ ውቂያኖስ ምዃኑ ዝሕብሩ መፅናዕትታት ኣለው።ኣብቶም ዝሓለፉ 100 ዓመታት ብቕልጡፍ እናወዓየ እዩ መፂኡ።እዚ ዋዕዚ እዚ ድማ ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ ምስ ዘሎ ደረቕ እዋን ዝተኣሳሰረ እዩ ይብል ኣቡበክር።

ዝናብ ክምለስ ከሎ ድማ ውሕጅ የስዕብ።እዞም ፍፃመታት ኣብነታት ለውጢ ኩነታት ኣየር ጥራሕ ከይኮኑስ ናይ ዘይምዕሩይነት ምርኣያትት እውን እዮም።

ከም ኢትዮጵያ ዝመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምስቲ ሳዕቤን ንምግጣም ዘኽእለን ገንዘብ የብለንን።

ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምትዕፅፃፍ ዓመታዊ 50 ቢሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ይግምት።ብዘይካዚ በዝሒ ዝመዛበሉን ሓገዝ ዘድልዮምን ሰባት ምውሳኹ ክቕፅል እዩ።

ንቕድሚ ፍጠር ዝኸፍአ ኩነታት ንምክልኻል ምቕስናስ ልቀት Emission ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ተመራመርቲ ኩነታት ኣየር የጠንቅቑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG