ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍጋኒስታን ጥምየት ብሰንኪ ዘስዓቦ ዓቕሊ ጽበት ኩሊት ምሻጥ ልሙድ እናኾነ ይኸይድ


ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንኣፍጋንስታን 4.5 ቢልየን ዶላር ገንዘብ ተማሕጺኑ`ሎ።

ጣሊባን ነታ ሃገር ካብ ዝቆጻጸር ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ምስሓብ ሓገዝ ወጻኢ ሃገራት ምስ ማዕቀባት ተደማሚሩ፡ ኣብ ቁጠባ`ታ ሃገር ኣዝዩ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ይርከብ።

ስለዚ ድማ ጥምየት፡ ንሰባት ክሳብ ምሻጥ ኩሊት ዝበጽሕ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጉምቲ ክወስዱ ይገብር ኣሎ።

ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ዓይሻ ታንዚም፡ ናብ ሓደ ኩሊት ምሻጥ ልሙድ እናኾነ ዝኸደሉ ሓደ ከባቢ ግዝኣት ሔራን ተዘዋዊራ ኔራ።

ፋሪባ ትበሃል ፡ ሕጂ ኣብ ገዛ ፍኹስ ዝበለ ስራሕ ጥራሕ`ያ ክትሰርሕ ትኽእል፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢላ ሓንቲ ኩሊታ ካብ ትሸይጥ ንድሓር ጥዕንኣ ከም ቀደሙ ኣይኮነን። ብቐደማ`ውን ድኽነት ዝጸንሓ ስድራቤት ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ተወሳኺ ሕሰም ተደሪብዋ።

ፋሪባ"በዓል ቤተይ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስራሕ የብሉን። ሸውዓተ ኢና፡ ሓንቲ ሕጻን`ውን ወሲኽና ኣለና። ዝብላዕ ክንረኽበላ ኣይክኣልናን፡ ነብስሎን ንበልዖን`ውን የብልናን። ደቀይ ይሓሙ`ለዉ" ትብል።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምቁጽጻሩ በዓል ቤታ ንመዓልቲ ስለስተ ዶላር እናረኸበ ይሰርሕ ኔሩ፡ ድሕሪኡ ግን ስራሕ የለን።

ሕጂ በዓልቲ ቤቱ፡ ኩሊታ ሸይጣ 2000 ዶላር ረኺባ`ላ፡ ግን ንሱ`ውን ንዝነበሮም ዝተኣከበ ለቓሕ ካብ ምኽፋል ክሓልፍ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ንሳ ትነብረሉ ገዛውቲ ኩሊትካ ምሻጥ እንዳተለምደ መጺኡ`ሎ። ብዙሓት ኩሊቶም ዝሸጡ ሰባት ብካሜራ ክርኣዩ ኣይደልዩን`ዮም፡ ሓደ ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበ ሰብኣይ ግን፡ ሓሙሽተ ኣሕዋቱ ከምኡ ከምዝገበሩ ገሊጹ`ሎ።

ካብኡ ውጽእ ኣብ ዝበለ ካምፕ ዝነብር ኣላህ ናዛር ዝተባህለ ድማ ቅድሚ ስለስተ ኣዋርሕ ኩሊቱ ከምዝሸጠ ካልኦት ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኩሎም`ውን ሓሓንቲ ኩሊቶም ዝሸጡ ምዃኖም ይገልጽ።

"ኣብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ኩሉ ነገር ኣዝዩ ኸቢሩ`ዩ ፡ ካብዛ ሃገር ክንወጽእ ደሊና ግን ኣይከኣልናን፡ ስለዚ ኩሊተይ ክሸይጥ ኔሩኒ" ይብል።

ኣብ ሕርሻን ብጥሪትን ዝናበር ዝነበረ`ዩ፡ ኣብ እዋን ኩናት ግን ኩሉ ዓንዩ ኩሉ ስኢንዎ። ንሱ ካብ መንጎ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ትሸዓተ ሚልየን ኣፍጋናውያንን ሓደ`ዩ።

ቅድሚ ጣሊባን`ውን ኣብ ድኽነትን ኩናትን ዝነበረት ሃገር ሕጂ ድማ ትረኽቦ ዝነበረት ረድኤት ተሓሪምዋ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት ትርከብ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ፍርቂ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣብ ከቢድ ጥምየት ወዲቑ`ሎ። ናይዚ ሳዕቤን ድማ ሰባት ንምንባር ክብሉ ናይ መጨረሽታ ስጉምቲ ይወስዱ`ለዉ።

ናብ ገዛ ፋሪባ እንተ ተመሊስና፡ ኩነታት በብመዓልቱ እናኸፍአ`ዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ እታ ስድራ ሩዝ ብጥራያ ንቁርስን ምሳሕን ምብልዓ ከይኣክል ፡ ፋሪባ ሕጂ ናይ ሓገዝ ተስፋ ስለዝቐበጸት ነተን ዝነኣሳ ሰለስተ ኣዋልድ ደቃ ክትሸጠን ትሓስብ ኣላ።

XS
SM
MD
LG