ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብዝትሓሓዝ ዝተኣሰሩ ሰባት ኩነታቶም ንምክትታል ብዘኽእል ደረጃ ሓበረታ ክእክብ ኣይክእልኩን ክብል ስኽፍትኡ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስ ተረኺቡ እኹል ሓበረታ ክረክብ ከምዘይክኣለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብተዛማዲ ዝሓሸ ሓበረታ ዝረኸበሉ ኣብ ቂርቆስ ክፍለ ከተማ ምዃኑን ኣብኡ ድማ 714 ሰባት ምእሳሮም ካብኦም እተን 124 ደቀንስትዮ ምዃነን ክፈልጥ ከምዝኽኣለ ሓቢሩ`ሎ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ እንተኾይኑ ነቲ ኮሚሽን ምላሽ ዝሃቡ ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ " ሰባት ዝተሓዙ ብብሄሮም ምኽንያት ዘይኮነስ፡ ብመሰረት`ቲ ህጹጽ ኣዋጅ ተጠርጢሮም ከም ዝኾኑን፡ እቶም ብባይቶ ወከልቲ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተመደቡ ውድባት ብሄር ተኮር ውድባት ምስ ምዃኖም፡ እቶም ዝተሓዙ`ውን ናይ ሓደ ብሄር ክመስሉ ከም ዝኽእሉ" ምግልጾም እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ዝተሓዙ፡ ቁጽሪ ተወላዶ ትግራይ ልዑል ምዃኑ`ውን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ`ሎ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምእሳሮም`ውን እቲ ኮሚሽን ይግምት፡ ኣብ ከተማ ድረዳዋ`ውን ክሳብ 300 ዝበጽሑ ሰባት ምእሳሮም ገሊጹ`ሎ።
እቲ ኮምሽን ብተወሳኺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ብመሰረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብፍላይ ከኣ " ጥብቂ ኣድላይነት፡ ዓቐናውነት ከምኡ`ውን ካብ ኣድልዎ ናጻ ምዃን ዝብሉ መርሆታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘኽብር መልክዑ ይትግበር የለን ኢሉ።