ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዙርያ ዓለም በዝሒ ሞት ኮቪድ-19 1 ሚልዮን በጺሑ


ኣብ ዙርያ ዓለም፥ቁጽሪ ሞት ኮቪድ-19፥ 1 ሚልዮን ሃሪሙ
ኣብ ዙርያ ዓለም፥ቁጽሪ ሞት ኮቪድ-19፥ 1 ሚልዮን ሃሪሙ

ብደረጃ ዓለም ብኮቪድ-19 በዝሒ ዝሞቱ፣ ሰባት ልዕሊ 1 ሚልዮን ከምዝበጽሐን በዝሒ ዝተለኸፉ ድማ ልዕሊ 33 ሚልዮን ከምዝኾነን ማእከል መጽናዕቲ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ’ቲ ክስተት ‘ኣሰምባዲ እምነ ኲርናዕ’ ኢሎም ዘልቀሱ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ አንቶንዮ ጉተረዝ ‘ዓለም ንብድሆ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምስዓርን እቲ ቫይረስ ኣብ ፈለማ እዋን ክራኣይ ምስጀመረ ዝተፈጸመ ጌጋ ንዘይምድጋም ክንማሃረሉ ይግባእ’ ኢሎም።

‘ተሓታታይነት ዝስመዖ መሪሕነት ምርካብ ኣገዳሲ’ዩ’ ዝበሉ ሚስተር ጉተረዝ ‘ሕብረት ረባሒ እዩ፣ ምድንጋር ግና ይቀትል’ በሉ።

ብቫይረስ ኮሮና ዝላዓል ኮቪድ 19፣ መንቀሊኡ ከተማ ቻይና ውሃን ከምዝኾነት’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኩባንያ መድሓኒት Abbott ን SD Biosensoን ምስ ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትን ተሓባቢሮም፣ 120 ሚልዮን መርመርመሪ ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ናብ ተጠቀምቲ ከምዘባጽሑ፣ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሊጦም።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም፣ 150 ሚልዮን መመርመሪ ኮቪድ 19 ከምዘቅርቡ ቃል ኣትዮም አለው።

XS
SM
MD
LG