ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተፈጺሙ


ስነ ስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:41 0:00

ስነ ስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተፈጺሙ

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ፍሉጥ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ብዝቐጸለ ህውከት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 80 በጺሑ’ሎ። ሎሚ ኣብ ኣምቦኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሩ፥ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን፥ መንግስቲ ልዕልና- ሕጊ ንምኽባር ከምዝተበገሰ ብትሪ ኣሰሚዑ`ሎ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ሎሚ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ኣምቦ ተፈጺሙ`ሎ። እንተኾነ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ`ውንጎንጺ ኔሩ። ዝተወሰኑ ሰባት ነቲ ኣስከሬን ካብ ስድራቤቱ ብሓይሊ ክወስድዎ ፈቲኖም። ተኹስን ፍንጀራታትን ተሰሚዑ፥ ክልተ ሰባትሞይቶም ካልኦት ሸውዓተ ቆሲሎም። ኣብ ከተማ ኣምቦገና ወጥሪ ሓይሉ`ሎ ።

ስነ-ስርዓት ምፍናው ሬሳ ሃጫሉ ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ`ዩ ተኻይዱ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ከመይ ከምዝነበረ ክገልጽ ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓተተ ሓዉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ከምዚ ይብል፥ “ሓወይ ክቕተል ዝግብኦ ኣይነበረን። ምስ ሞተ ግን ዝግበር ነገር የለን። ሃጫሉብሰላም ክዓርፍ`ዩ ዘለዎ`ምበር ንኣስከሬኑ ምክልባትን ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ምህዋኽን ነውሪ`ዩ” ኢሉ።

ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ግን ውሑድ ዝበል ቁጽሪ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝተሳተፈ`ዩ ሓዉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ይገልጽ። ንሱ ብሞት ሓዉ፥ ምሉእ ቤተ-ሰብ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ፥ እንተኾነ፡ ፍጹም ካብ ድልየት ቤተ-ሰብ ወጻኢ ብዝኾነኣካይዳ፥ ዝቕበረሉ ቦታ ንምውሳንን ንስነ-ስርዓት ቀብሩ ንምህዋኽን ዝተገብረ ፈተነ ዘሕፍር ተግባር`ዩ ኢሉዎ።

“ከተማ ኣምቦ ዝተወልደሉን መዳሕንቱ ዝተቐብረሉን`ዩ። ካልኣይ ድማ እንተሞይተ ካብ ኣምቦ ወጻኢ ከይትቐብሩኒ ይብል ኔሩ`ዩ። ስለዚእዚ ድልየት ስድራቤት`ዩ። ካብ ድልየትና ውጻኢ ካልእ ክትገብር ምፍታን ግን ዘሕፍር`ዩ ።”

ኣተሓሒዙ ሓዉ ንሃጫሉ- ሃብታሙ ሁንዴሳ መንእሰያት፥ ብስምዒት ተለዓዒሉ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ፥ ደው ኢሉ ክሓስብ ይግባእ ኢሉ`ሎ-።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ፡ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ብፖሊስ ዝተኣስሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን፥ ሎሚ ናብቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ዳኛ ንክልተ ሰሙን ቆጺርዎም።

ብኻልእ ወገን መራሒ ባልደራስ ዝተባህለ ተቓዋሚ ፓርቲ እስክንድር ነጋ ፥ዓሌታዊ ጎንጺ ኣለዓዒልካ ተባሂሉ ትማሊ ብፖሊስተኣሲሩ`ሎ- ።

ብኻልእ ወገን ፥ መንግስቲ፥ ድሕሪ ደጊም ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ሰጋእ ከምዘይብል ኣፍሊጡ`ሎ። ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ፥ወ/ሮ ኣዳነች ኣበበ ብዛዕባ`ዚ ስምዕታ ክትገልጽ ከላ፥ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝነበሮ ድልየት፥ ኣብዛ ንወለዶታት ናይምዝራብ ናጽነትን ኣሳታፊ ደሞክራሲን ተሓሪምዋ ዝጸንሐት ሃገር፡ ንናጽነት ፕረስን ኣሳታፊ ደሞክራስን ባይታ ንምኽፋት ከም ዝነበረድሕሪ ምጥቃስ፥ መንግስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፥ ልዕልና ሕጊ ካብ ምኽባር ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ኣፍሊጣ`ላ።

ሎሚ`ውን ኣብ ምልእቲ ሃገር ሓሓሊፉ ግጭታት ምንባሩ ወኪላትና ሓቢሮም ኣለዉ። ሓይልታት ፈደራል ፖሊስ`ውን ኣብ መንጎዝጋጨዉ መንእሰያት ኣትዮም ነቲ ግጭት ከተሃዳድኡ ይፍትኑ ከምዝነበሩ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ገለ ከባብታት በቲ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ንጉስ ንዝጽዋዕ ሓወልትታት ንምውራድን ሆስፒታላት ንምዕናውን ፈተነታትምንባሩ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ብዝቐጸለ ጎንጽታት፥ ዛጊት ብድምር ዝሞቱ ልዕሊ 80 በጺሖም ከምዘለዉ- ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍሊጦምኣለዉ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፥ ንቤተ-ሰብ ሃጫሉ ጽንዓት ብምምናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ነዚዘሎ ኩነታት ካብ ዘጋድድ ተግባራት ክቑጠቡ ጸዊዑ`ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ገበርቲ እከይ ናብ ፍትሒ ከቕርብ ኣለዎ ዝበለ ሙሳ ፋቂ፥ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንህድእትንሰለማዊትን ብልጽግትን ሃገር ዘለዎም ጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ድጋፉ ይገልጽ ኢሉ`ሎ።

ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ድማ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ህይወት መሳጣይ ደራፋይኦሮሞን ተቓላሳይ ፍትሒን ሃጫሉ ሁንደሳ ብዘሕዝን ተግባር ተቐንጢቡ`ሎ ኢሉ። ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ንስድራቤቱን ንሚልዮናት ኣድነቕቱን ከምኡ`ውን ንህዝቢ ኦሮሞን ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ`ሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG