ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ 'ሰራዊታ ካብ ዶብ ምስ ኤርትራ ትስሕብ ኣላ' ንዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ


ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራ ትስሕብ ኣላ ተባሂሉ ንዝወፀ ዜና ሓሶት እዩ ክትብል ነፂጋቶ።

ኢትዮጵያ ካብ ከባቢ ዶብ ኤርትራ ወታደራት ስሒባ ዝብል ሓቂ ኣይኮነን ክብሉ ንጋዜጣ ሪፖርተር ቃሎም ዝሃቡ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ሞቱማ መካሳ ‘’ሓቂ እዩ ኣብ ግንባር ሸራሮ ምንቅስቓስ ነይሩ ግን ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ’’ኢሎም ኣለው።

ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ኣለም ፍስሃ ካብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ ሸራሮ ዝተወሰኑ ወታደራት ምክልኻል ሃገር ተላዒሎም ናብ ማእኸል ሃገር ፀጥታ ከረጋግኡ ከይዶም ክብሉ ንኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ሙሉ መብራህቱ ብምጥቓስ ዝሓለፈ ዓርቢ ምፅብፃቡ ይዝከር።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር እውን 50 ባዶ ኣውቶቡሳት ክጉዓዛ ርአየ ምባሉ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG