ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንገዲም ስነ-ጥበባዊ ዓብደላ ኣቡበከር ዝዳሎ መደብ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ክቕጽል`ዩ


Abdela Abubeker

ኣብ`ዚ መደብ`ዚ ምስ ኣብ ሪያድ ስዑዲ-ዓረብ ዝርከቡ 7ተ ኣሕዋት ኣባላት ሓንቲ ሙዚቃ-ባንድ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ `ውን ምስማዕ ይክኣል

ካብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ(ማትኣ) ጀሚሩ፡ ኣብ ምፍራይ ደርፍታት ኤርትራ፡ ብሙዚቃን ብምውህሃድን ዝለዓለ ተራ ዝጸንሖ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ንሕማም ኩሊት ኣብ ተመላላሲ ሕክምና ይርከብ። ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን፡ ነዚ ገዲም ብጻዮም ንምሕጋዝን ኣብ ጎንኻ ኣለና ንምባልን በብወገኖም መደባት የዳልዉ`ለዉ።

ካብ መንጉኡ ሓደ ቀዳም 30 መስከረም 2017፡ ጽባሕ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ዝካየድ መደብ`ዩ ይብል ካብ ኣዳለውቱ ሓደ ሰለሞን ጸጋይ(ሶሎ ግራንደ)። ምስ ሶሎን ምስ ዓብደላን ዝተገብረ ሓጺር ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Solo Grande
Solo Grande

ኣብ`ዚ መደብ`ዚ ምስ ኣብ ሪያድ ስዑዲ-ዓረብ ዝርከቡ 7ተ ኣሕዋት ኣባላት ሓንቲ ሙዚቃ-ባንድ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ `ውን ምስማዕ ይክኣል(እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ቃለ-መጠይቕ፡ ብቪድዮ ዝተዳለዎ፡ ብፍሉይ ፖስት ተገይሩ ከምዘሎ ክንሕብር ንፈቱ)።

please wait
Embed

No media source currently available

0:00 0:12:07 0:00
The Ellites
The Ellites

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

መገሻ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG