ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ምፍሳስ ደም ንምኽልኻል ሓድሽ ናይ ፈተነ መድሃኒት ምምሃዙ ተሓቢሩ


ኣብ ዓለም ብሰንኪ ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ብርቱዕ ደም ምፍሳስ በብዓመቱ 100,000 ደቂ ኣንስትዮ ይሞታ። ነዚ ዘጋጥም ሞት አዴታት ዋግኡ ክቡር ብዘይኾነ መድሃኒት ምክልኻል ከምዝኸአል ሓደ መጽናዕቲ አርእዩ’ሎ።

“ውመን” ማለት ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ብዝተጸውዓ ፈተነ መድሃኒት ካብ 21 ሃገራት ዝተዋጽአ 20,000 ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን ውጺኢታዊ ኮይኑ ምርኻቡን መብዛሕትአን ድማ ኣፍሪቃዊያን ኤስያዊያን ምንባረን ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ለንደን ቤት ትምህርቲ ስነ ንጽህናን አካያዲት ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ፈተነ ሕክምና ሃሊማ ሻኩር ከምዚ ይብላ።

“ከንጽንዖ ዝጸናሕና ጸገም ድሕሪ ወሊድ ዘጋጥም ምፍሳስ ደም እዩ። እዚ ድማ ህይወተን ካብ ዝስእናሉ ቀንዲ ጸገማት ሓደ’ዩ ሓንቲ ሰበይቲ ክትወልድ ክትጸዓር ከላ ብደሃን ክወልድ’ዩ ኢለ’ያ ትሓስብ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ግን 10 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ብርቱዕ ምፍሳስ ደም ከጋጥመን ይክእል’ዩ’ ኢለን።

ኣብ ዓለም ድሕሪ ወሊድ ብዘጋጥም ብርቱዕ ምፍሳስ ደም በብሽዱሽተ ደቂቅ ሓንቲ ሰበይቲ ትመውት እዚ ኸአ ብዘይ ገለ ምልከት ወይ መጠንቐቕታ’ዩ ዘጋጥም ይብላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG