ኣብ እዋን ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቶ መስፍን በዚ ዝተባህለ ኣብ ሓደ ንህዝቢ ክፉት ዝኾነ መደበር ቴሌቭዥን ከባቢ ዲሲ TG ዝተሰምየ ፈነወ ዘለዎም ሰብ ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ካብ 1991 ዓ.ም ኣትሒዞም ፈጺሞም ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ’ሎ ብዛዕባ’ዚ ኣሜሪካ እንታይ'ዩ መርገጺኣ ዝብል ሕቶ ንምክትል ወሃቢ ቃል ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ማርክ ቶነር አቅሪቦምሎም ሚስተር ማርክ ቶነር ከምዚ ኢሎም መሊሶም።
‘ንግምግም ኣለና። እዚ ካልኣይ ጸብጻብ’ቲ ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ይመስለኒ። ስክፍታ ኣለና። አቲ ኣንጻር ሰብኣዊነት ገበናት ካብ 1991 ዓ.ም ጀሚሩ ምፍጻሙ ዘእምን ምኽንያት ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ስክፍታ’ለና።’
ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።