ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ‘ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ፈጺሙ’ ይብል ኮምሽን ሕ/ሃ


ሚስተር ማይክ ስሚስ
ሚስተር ማይክ ስሚስ

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮምሽን ንጉዳይ ኤርትራ ማይክ ስሚስ፣ ብመሰረት ምርመራ’ታ ኮምሽን ‘ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ገበን ሰብኣዊነት ፈፂሞም’ዮም ናብ ዝብል መደምደምታ ከምተበፅሐን’ ሓቢሮም። ከምኡውን ‘ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፣ ካብ 1991 ጀሚሩ ንህዝቢ ንምቁፅፃርን መሪሕነት ኤርትራ ንምጥንካርን ኢሎም ሰፊሕን ስልታዊን ገበናት ፈፂሞም’ዮም’ ይብሉ እቶም ኣቦ መንበር።

ብመሰረት’ዚ፣ እቲ ኮምሽን ‘ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ፈፂሞም’ዮም ኢሉ ደምዲሙ’ዩ ይብሉ ማይክ ስሚስ።

ኤርትራ ግና 'እቲ ሪፖርት ፀግዒ ዝሓዘን ንዓለም ለኻዊ መትከላት ዝጣሓሰን’ዩ' ክትብል ትነፅጎ።

ንመልሲ ኤርትራ ዘቅረቡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገ/ኣብ 'መርማሪ ኮሚሽን፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ተፈጺሙ ምባሉ ዘስደምምን መስሓቕን`ዩ። እዚ ድማ ነቲ ሕፍረት ዘይብሉ ፖሊቲካዊ መርገጹ ዘቃልዕን፡ ምልክት-ሕማም እቲ ምሉእ ሪፖርትን`ዩ። ኤርትራ ድሕሪ ኸቢድ ጉዕዞ፡ ኣብ 1991 ኣድማሳዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዝተጎናጸፈቶ ናጽነት፡ ንናጻን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተኸፍለ ናይ 30 ዓመት ህዝባዊ ቓልሲ`ዩ' ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:47 0:00

XS
SM
MD
LG