ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መደረ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣመልኪቱ ምስ ጋዜጠኛ ምንያ ኣፈወርቂ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቅ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተበግሶ ህዳሴ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 20 ዓመታት ከምዝወሰደን ይኹንምበር ዛጊት ዝኾነ ነገር ከምዘይተገብረ ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጸብራቕ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ዘይማዕርነታውን ዘይደሞክራስያውን ስርዓተ ዓለም ኮይኑ ምህላው ኣረዲኡ።

ውሑዳት ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ድማ ንመስርሕ ውሳነን ስልጣንን ብምቁጽጻረን ዝበዝሓ ኣባል ሃገራት ናይቲ ውድብ ተነጺለን ኣለዋ ክብሉ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብተወሳኺ ኣብ መደረኦም ገሊጾም።

ነቲ መደረ ብዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ምንያ ኣፈወርቂ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:42 0:00

XS
SM
MD
LG