ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድድር ተዓዊቱ


ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤምቲኤን ኩበካ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድ ድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

በዚ ድማ ዳንኤል ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ብሽግለታ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድ ድር ዝተዓወተ ኮይኑሎ። ቦኽሪ ሱታፌ ኣብ ውድ ድር ቱር ፍራንስ ሎም ዘመን ዘረጋገጸት ክለብ ኤምቲኤን ኩበካ ድማ በዚ ዳንኤል ዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ክትስራዕ ክኢላ ኣላ።

ዳኒኤል: ኣብቲ ሻድሻይ መድረኽ ውድ ድር ቱር ዲ ፍራንስ: ሳልሳይ ርእሱ ምስ ፈረንሳዊ ፐርግ ኩመኒር ካብ ክለብ ዩሮፕ ካር ከምኡውን ምስ በልጅማዊ ከንት ቫን ቢልሰን ካብ ክለብ ኮፊደስ ኮይኖም ካብ ዓባይ መራሒት ጉጅለ ድሕሪ ምህዳም፡ ኣብ ዝተሰርዐ ሰለስተ ዛዛሚ መስመር ናይ ዓቐብ ው ድድራት ፈንጢሱ ብምውጻእዩ ይቲ ዕለት ናይ ዓቐብ ተዓዋቲ ክኸውን ዝበቕዐ።

ዳንኤል በዚ ዘመዝገቦ ዓወት ጻዕዳ ዝምድራ ቀይሕ ነጠብጣብ ዘለዋ ማልያ ተዓዋቲ ዓቐብ ማለት Polka dot Jersey ካብ ተቐዳዳማይ ክለብ ካቱሻ ጆኣኪም ሮድሪገዝ መንዚዑሎ።

XS
SM
MD
LG