ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ፡ ኣብ` ቱር ዲ ፍራንስ` ብምስታፍ፡ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃ ቀዳሞት ብምዃን ታሪኽ ይሰርሑ`ለዉ


Eritreans in Tour De France
Eritreans in Tour De France

ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣብ`ቲ ውድድር ዝሳተፉ ዝለዉ፡ ምስ ካልኦት 7ተ ብጾቶም ብምዃን፡ ንMTN-Qhubeka ዝተባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ብምውካል`ዮም።

ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ፡ ኣብ`ቲ ዝመጽእ 4ተ ሓምለ 2015፡ ኣብ ፈረንሳን ከባቢኡን ዝጅምር ዓለም-ለኻዊ ውድድር `ቱር ዲ ፍራንስ` ብምስታፍ፡ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃ ቀዳሞት ብምዃን ታሪኽ ይሰርሑ`ለዉ።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣብ`ቲ ውድድር ዝሳተፉ ዝለዉ፡ ምስ ካልኦት 7ተ ብጾቶም ብምዃን፡ ንMTN-Qhubeka ዝተባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ብምውካል`ዮም

እታ ጋንታ ካልኦት 3ተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ሓደ ኣመሪካዊ፡ ሓደ እንግሊዛዊ፡ ሓደ በልጅማዊ፡ ብድምር 9ተ ኣባላት ሒዛ ክትሳተፍ`ያ።

ጋንታ MTN-Qhubeka ፡ ኣብ `ቱር ዲ ፍራንስ` ትሳተፍ ዘላ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ብምዃን`ውን ታሪኽ ትሰርሕ ዘላ ጋንታ ኾይና`ላ

`ቱር ዲ ፍራንስ`፡ ብቐንዱ ኣብ ፈረንሳይ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብጎረባብቲ ሃገራት ዝሓልፍ፡ ብዙሕ ደረጃታት ዘለዎ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውድድር ብሽክለታ`ዩ፡ ብብዓመቱ ድማ ይካየድ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:03 0:00

XS
SM
MD
LG