ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሎሚ ኣብ ሶማሊያ ከተማ ባይደዋ፡ 2ተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ብውሕዱ 8ተ ሰባት ተቐቲሎም


Bartamaha Baydhabo
Bartamaha Baydhabo

ዝሞቱ፡ 3ተ ኣጥቃዕቲ፡3ተ ወተሃደራት ሶማል፡ 2ተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ-ምስ ዓቃቢ ሰላም ሕበረት ኣፍሪቃ ዝሰርሑ

ሎሚ ኣብ ሶማሊያ ከተማ ባይደዋ፡ ንሓደ ኣገዳሲ ፖሊቲካዊ መራሒ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተኻይዱ፡ 2ተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ብውሕዱ 8ተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣል-ሸባብ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምኩ ባዕለይ`የ ክብል ኣፍሊጡ`ሎ፡- ብኻልእ ወገን፡ ናይ ኣመሪካ ምዃኑ ዝእመን መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት፡ ኣብ ጥቃ ደቡብ-ምዕራባዊት ቁሸት `ባርደረ` ንሓንቲ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ዝጸዓነት መኪና ከምዝሃረመ ምንጭታት ይሕብሩ`ለዉ።

ኣብ መንበሪ ገዛ ሸሪፍ ሓሰን ሸኽ ዓደን`ዩ ተፈጺሙ እቲ መጥቃዕቲ- ቀደም ኣፈጉባኤ ባይቶ ሶማል ዝነበረ- ሕጂ ድማ ኣመሓዳሪ ደቡብ ምዕራብ ሶማል።

እቶም ኣጥቃዕቲ፡ መጀመርያ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ፡ናይ መኪና ቦምብ መኪና ብምብራዕ፡ ድሕሪኡ ተኹሲ ኸፊቶም ምስ ሓለውቲ ተዋጊኦም-ከም ሓበረታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር።

12 ሰባት ሞይቶም`ዩ ዝበለ ኮሚሽነር ፖሊስ `ቲ ዞባ። ድሓር ግን ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 8ተ ኣውሪዶሞ።

ዝሞቱ፡ 3ተ ኣጥቃዕቲ፡3ተ ወተሃደራት ሶማል፡ 2ተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ-ምስ ዓቃቢ ሰላም ሕበረት ኣፍሪቃ ዝሰርሑ። እቶም ዒላማ ናይ`ቲ መጥቃዕቲ ከምዝነበሩ ዝእመን ሸኽ ዓደን ግን፡ ከይተጎድኡ ከምዝተረፉ ይግለጽ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ሕጂ ድሒሩ ዝመጸ ዜና ከም ዝሕብሮ፡ ናይ ኣመሪካ ምዃኑ ዝእመን መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት፡ ኣብ ጥቃ ደቡብ-ምዕራባዊት ቁሸት `ባርደረ` ንሓንቲ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ዝጸዓነት መኪና ከምዝሃረመ ምንጭታት ይሕብሩ`ለዉ።

እታ መኪና ናይ ዓደን ጋራር ምዃና ምስ ኣልሸባብ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ይገልጹ`ለዉ። ጋራር፡ ኣብ ኣገልግሎት ጸጥታ ኣል-ሸባብ ላዕላዋይ በዓልስልጣን`ዩ ይብሉ ምንጭታት።

እታ መኪና በቲ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ይግለጽ ኣሎ፡ ዓደን ጋራር ተቐቲሉ እንተኾይኑ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

XS
SM
MD
LG