ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስታዊን ውልቀ-ዘፈርን ባንክታት ኢትዮዽያ ሚዛናዊ ኣተሓሕዛ ንክረኽቡ ትካል ገንዘብ ዓለም ፀዊዑ


ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብ
ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብ
ኣተሓሕዛ ባንክታት ብሕልፊ ውልቀ-ዘፈር ባንኪታት ኢትዮዽያ፣ ከመይ‘ዩ ዝግምግሞ ትካል ገንዘብ ዓለም ዝብል‘ዩ።ናብ ዳይረክተር ትካል ገንዘብ ዓለም ጨንፈር ኢትዮዽያ ዝቀረበ ሕቶ።ብሓፈሽኡ ስርዓተ-ቁፅፅርን ክትትልን መንግስቲ ቅቡል‘ዩ።ግን 27 % መጠን ረቋሒ ባንኪታት ዝብል ሕጊ ንዓቅሚ ስራሕቲ‘ቶም ባንኪታት ዝድርት‘ዩ ኢሎም።

ነዚ ንፁር ሸቶ‘ዚ ንምውቃዕ ዝካኣለሉ ካልእ ኣገባብ ኣሎ ኢሉ ትካል ገንዘብ ዓለም ከምዝኣምን ዝገለፁ እቶም ዳይረክተር፣ንኣብነት ገሊኦም ባንክታት ናይ ነዊሕ እዋን ልቃሕ ንገለ ዘፈራት ንክህቡ ምግባር ይካኣል‘ዩ ይብሉ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ብዙሕ ወለድ ክሓቱ፣ንመን ከልቅሑ ከምዘለዎም ኣቀዲሞም ክሓስቡሉ ምግዳድ ይካኣል‘ዩ‘ውን ኢሎም።

እቲ ተኣሳሲሩ ክላዓል ዝኽእል ነጥቢ፣ምርካብ ልቃሕን ናይ ወፃኢ ሸርፊን‘ዩ ዝበሉ ዳይረክተር ትካል ገንዘብ ዓለም ጨንፈር ኢትዮዽያ፣ኩሉ ነገር ከምዘሎ ኮይኑ ብጠንቂ‘ቲ ፅኑዕ መንግስታዊ ሞነተሪ ፖሊሲ፣ብሕልፊ መጠን ዝቅባበ ንምውራድ ትሰርሕ እንተሃሊኻ፣ፅኑዕ ሞነተሪ ፖሊሲ ምትግባር ግድን ክኾን እዩ።እዚ‘ውን ኣጓኒፉ ዘሎ ኢሎም።

ምስ ፕሮግራም ምዕባለን ትራንስፎርሜንን ተኣሳሲሩ፣መንግስታዊ ልቃሕን ኣጠቃቅማ ገንዘብን ኣዝዩ ወሲኹ ከምዘሎ‘ውን ሓቢሮም።ንምዕዋት‘ዞም ገዘፍቲ መደባት፣ገንዘብ ካብ ውሽጣዊ ምንጭታት እንድሕር ኮይኑ ዝመፅእ፣ዓቅሚ‘ዞም ባንክታት‘ውን ናብኡ ገፁ የምርሕ ኣሎ ማለት‘ዩ፣እዚ ማለት ድማ ንውልቀ-ዘፈራት ዝዋሃብ መጠን ልቃሕ ትሑት ክኸውን‘ዩ፣ኩነታት ወፃኢ ሸርፊ‘ውን ከምኡ ይኸውን‘ሎ ባሃላይ‘ዮም ንሶም።

ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮዽያውያን ናብ ዓዶም ዝልእኽዎ መጠን ገንዘብ፣ገለ እዋን ንምዕቃኑ ኣፀጋሚ‘ዩ።ግን ማዕረ‘ቲ ዝላዓለ ኣገልግሎት ሰደድ ዝእክብ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ይኸውን ስለዘሎ ኣዝዩ ረባሓይ‘ዩ ምባል ይካኣል።ምስ‘ቲ ናይ ዓሚ ኣነፃፂርካ ድማ ዳያስፖራ ዝልእኽዎ መጠን ገንዘብ ብሰላሳ ሚእታዊ ወሲኹ‘ሎ።እዚ ማለት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምድንፋዕ፣ነበርቲ ወፃኢ ኢትዮዽያውያን ሓያል ምንጪ ይኾኑ ኣለው።ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ደሚርካ፣እዚ መጠን‘ዚ ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቃን ዶላር ዝኸውን‘ዩ።

ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ጉዋንግ ዢ ቼን ኢልና ዝጠቀስናዮ ጌጋ‘ዩ።ዳይረክተር ትካል ገንዘብ ዓለም ጃን ሚከልሰን ብዝብል ይተኣረመልና።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:07 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG