ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቐዳመ ሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝተሓሳሰቦም ገሊጾም።

ንቕትለት ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ሓላፊ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልካል ኢትዮጵያን ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ብምኹናን “ኩሎም ኢትዮጵያዊያን አካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክቑጠቡን ጎነጽ ክከላከሉ ከምኡ’ውን ንሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ዘዳኽም ስጉምቲ ከወግዱ” ጸዊዖም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን መንግስቲን ንኣቐነባበርቲ’ቲ ፍጻመ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘካይድዎ ጻዕርታት ከምዝድግፉ ገሊጾም ኣለው።

ብተወሳኺ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዘጋጠመ ብድሆታት ንምግጣም ኣብ ዘካይዶ ጻዕርታት ኩሉ ከምዝደጋገፍ ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG