ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሶኑይ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡን፣ ኣብ ክልል ትግራይ ይፍጸም ብዘሎ ግጭትን ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ንሰላማዊያን ሰባት ዝቀተለ ደብዳብ ነፈርቲን ሻቅሎቶም ከምዝገለጽሎም ተፈሊጡ።

ትማሊ ሶኑይ ብቴለቭዥን ትግራይ ዝተፈነወ ቪድዮ ድሕሪ’ቲ ዝወረደ ደብዳብ ንዘጋጠመ ዘርአየ ኮይኑ ኣሎ። ብቐዳም ርእይቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ብወገኑ ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ፣ ብውሑድ 56 ሰባት ኣብ መዓስከር ተፈናቀልቲ ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ሓደ ርእይትኡ ዝሃበ ነባሪ’ቲ መዓስከር ተፈናቀልቲ ክዛረብ ከሎ፣ "ካብ’ዚ ዝገደደ ነገር ስለዘየለ፣ ደቅና ናብ ዓውደ ግንባር ክብገሱ እዩ ዘለዎም። ንሕና ብወገና፣ ሰብኡትናን ኣንስትናን ከይተረፍና፣ ክንዲ ዝኻኣልናዮ ክነብርክት ኢና። ካብ’ዚ ዝገደደ ጸላኢ ክህሉ ኣይኽእልን። ካብ’ዚ ዝገደደ ሓደጋ ክመጸና ኣይኽእልን እዩ" ይብል።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ብወገኑ ፕረዚደንት ባይደን፣ንኣገዳስነት ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ንዝረአ ስግኣት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብሰንኪ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ ሰባት ጸቂጦም ከምዝተዛረቡ ኣፍሊጡ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንሻቅሎት መራሒ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት መልሲ ከምዝሃቡ ዋይት ሃውስ ጽጹይ ሓበሬታ ኣይወሰኸን።

XS
SM
MD
LG