ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ.ጆ ባይደን ብተሌፎን ምዝርራቦም ኣፍሊጦም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ብቴለፎን ተራኺቦም።


እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ህሉዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትዊተሮም ገጽ ኣመልኪቶም። እቶም ክልተ መራሕቲ ንጉዳይ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝተዛረረቡን ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑን እቲ ሓጺር መልእኽቲ ትዊተር ይሕብር።

ዋይት ሃውስ ኣማሲዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝቐፀለ ግጭትን ሰላምን ዕርቅን ንምስጓምን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ባይደን: ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ቀረባ ዝወሰዱዎ ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራት ናእድኦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ቶኽሲ ደው ምባል ክካየድ፣ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓየሽ፣ብኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእሳር ሰባትን ዘለው ስኽፍታታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም ኣለው።

እቲ መግለፂ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቀረባ ዝተፈፀሙ ናይ ኣየር መጥቓዕትታትን ሓዊሱ ዝቐፀለ ተፃብኦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ሞትን ስቓይን ክቕፅል ከምዝገበረን ዘለዎም ስኽፍታን ብምግላፅ ኣመሪካ ግጭት ኢትዮጵያ ብሰላም ንክፍታሕ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ መሻርኽትን ከምእትሰርሕ ባይደን ኣረጋጊፆም ይብል ። መግለፂ ዋይት ሃውስ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ምትሕብባሮም ንምሕያልን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ንዝብሉ ዛዕባታት' ውን ኣስሚሮምሉ ኣለው ይብል ።

XS
SM
MD
LG