ኣስመራ —
ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼክ ማሕሙድ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንኽልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዝምልከት ሓባራዊ ዘተ ኣካዪዶም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፡ ንጸጥታ እቲ ዞባ ኣመልኪቶም’ውን ተመያዪጦም ኣለዉ።
ሎሚ ዓርቢ 11 ሕዳር ቅድሚ ቀትሪ፡ ፕረ.ሓሰን ሼክ ማሕሙድን ምስኡ ዝመጸ ልኡኽን ብፕረ.ኢሳያስ ተሰንዮም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ በጺሖም። ብኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተመሪሖም ከኣ ንንጥፈታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራን ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ምስ ዝስልጥኑ ዘለዉ ሶማልያውያን ርክብ ኣካይዱ። በቶም ሶማልያውያን ሰልጠንቲ ዝቐረበ ወታሃደራዊ ሰልፊ‘ውን ተዓዚቡ።
ፕረ.ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ንሱ ዝመረሖን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብሺር ዑመር ጃምዕን ዝሓቖፈ ልኡኽ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ’ዮም ኣስመራ ኣትዮም።