ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽሙ ኣለዉ


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ንምፍጻም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ምእታዎም ልኡኽ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ጸብጺቡ።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ-ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ብፕረዚደንት ኢሳያስን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት ተገይሩሎም።

ሎሚ ንኻልኣይ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ዘለዎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ፡ ኣብ ናይ ሓምለ ዑደቶምን ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መዘከር ስምምዕ ምኽታሞም ይዝከር። ኣብ መንጎ’ቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ኣስታት 5000 ሶማላውያን ወታሃደራት’ዩ። ኣብ እዋኑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ደኣ ይንበሩ እምበር ዛጊት ግን ምምላሶም ዘመልክት ሓበሬታ የሎን።

XS
SM
MD
LG