ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ፈጺሞም


ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር ሚያርዲት ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣካይዱ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበርዎ ልዝብ፡ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ምዕባለታት፡ኣብ መጻኢ ወለዶታት ንምውዓል ብሓባር ክሰርሑን ንትግባረኡ ድማ ቀጻሊ ርክባት ከካይዱ ተሰማሚዖም።

ቀዳም 18 ነሓሰ ንክብሪ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ልኡካትን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ዝተዓንቀፈ ሃገር ናይ ምምዕባል ስራሕ ዳግማይ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ብወገኖም፡ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ተቃወምቲ ሓይልታት ዝገበርዎ ስምምዕ ምሉእነት ዝጎደሎን ዝተሸፋፈነን እንተኾነ ንተግባራውነቱ ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:35 0:00

XS
SM
MD
LG