ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ወሪዶም


ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞ ብወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ምውራዶም ተገሊጹ።

ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ዓወድ መሓመድ ኢብኑፍ ሎሚ ሓሙስ ብመደበር ቴሌቭዥን ሱዳን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ውሑስ ቦታ ከምዘለው ኣፍሊጦም።

“ኣነ ሚንስተር ምኽልካልን ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚተ ጸጥታን ንምውዳቕ ስርዓትን ንመራሒኡ ኣልበሸር ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣብ ቀይዲ ምእታውን የፍልጥ ኣለኹ። ብተወሳኺ ኣብ 2005 ዝጸደቐ ቅዋም’ታ ሃገር ብምግዳፍ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ናይ ሽግግር ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ምምስራቱ የፍልጥ ኣለኹ። ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅን ካብ ሰዓት 10:00 ምሸት ክሳብ ሰዓት 4:00 ወጋሕታ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ሰዓታት እቶ እቶ እውጅ ኣለኹ። መዓርፎ ነፈርቲን ወደባትን ን 24 ሰዓታት ክዕጸው ይእዝዝ ኣለኹ ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንኩሎም ፕረዚደንታዊ ትካላትን ካቢነን ክፈርሱ ኣዚዘ ኣለኹ።”

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ምልቓቕ መዝነት ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ጎደናታት ‘ ሃገር ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ወሪዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:01 0:00

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ክፍሊ ጸጥትታን ስለያን ሱዳን ኣቐዲሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዜጋታት ከምዝፈትሕ ምግላጹ ይሕብራ ኣለዋ።

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳዲን ኣብ ታሕሳስ 19 ዝጀምረ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ወታሃደራዊ ሓይሊ’ታ ሃገር ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ከካይድ ምቕናዩ ይፍለጥ።

ሱዳናውያን ድሕሪ ዕልዋ በሽር ብታሕጓስ ይሰራሰሩ
ሱዳናውያን ድሕሪ ዕልዋ በሽር ብታሕጓስ ይሰራሰሩ

መንግስቲ ኣብ እዋን’ዚ ተቓውሞ 31 ሰባት ምሟቶም ክገልጽ ከሎ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ግን እቲ ቁጽሪ 60 ከምዝበጽሕ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ወሪዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:11 0:00

XS
SM
MD
LG