ፕረዚዳንት ሱዳን ዑመር ኣል-በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ተቓውምኦም ቀፂሎም ኣለው።እቶም ተቓወምቲ ትማሊ ሶሉስ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ኮፍ ኢሎም ከምዝውዓሉ ተፈሊጡ’ሎ።ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ቶኽሲ ይስማዕ ነይሩ።
ሓይልታት ፀጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ወታደራት ንሰልፈኛታት ብምክልኻል ጣልቃ ምእታዎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።
በቲ ግጭት ክልተ ሰልፈኛታት፣ሓደ ወታሃደር መንግስትን ሓደ ኣባል ፀጥታን ከምዝተቐትሉ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ወሲኾም ገሊፆም።
ፖሊስ ንሰልፈኝታት ፈፂምና ኣይነጥቅዕን ኢና ኢሉ’ሎ።ኣብቲ ኮፍ ብምባል ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሳተፉ ከምዘው ተፈሊጡ’ሎ።
ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳዲን 19 ታሕሳስ 2018 ተቓውሞ ዝጀመሩ ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ካብ ዝሓዝዎ ስልጣን ክወርዱ ይሓቱ ኣለው።
ሎሚ ረቡዕ ሰራዊት’ታ ሃገር ንዝበዝሓ ክፋል ከተማ ካርቱም ከምዝተቆጻጸሩን ኣብ መንጎ ወታሃደራት፡ኣዘዝቲን ሰልፈኛታትን ጽቡቕ ምትሕብባር ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንዝረኸብዎ ምስሊ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ።