ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ብቀ/ሚ ንዝቐረቡ ሓደሽቲ መዝነታት ኣጽዲቑ


ፓርላማ ኢትዮጵያ ንመዝነት ኣርባዕተ ሚንስትራትን ሓደ ኮሚሽነርን ብብዝሒ ድምፂ ኣፅዲቑ።ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ እቲ ሹመት ንህወሓትን ህዝቢ ክልል ትግራይን ዘግለለ እዩ ክብሉ ተቓዊሞምዎ ኣለው።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቐረቡ መዝነታት ኣፅዲቑ’ሎ።ሚንስትር እቶት ውሽጢ ሃገር ዝነበራ ወ/ሮ ኣዳነች ኣበቤ ጠቓላሊት ዓቃቢ ሕጊ፤ሚንስትር ድኤታ ጥዕና ዝነበራ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ሚንስትር ጥዕና፣ኣቶ ላቀ ኣያሌው ሚንስትር እቶት ውሽጢ ሃገር፣ወ/ሮ ፈልሰን ዓብዱላሂ ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን መናእሰይን ብምዃን ተሸይሞም ኣለው።

ነቲ ሹመት ብትሪ ካብ ዝተቓወሙ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓደ ከምዚ ኢሎም።

“እዚ ብመሰረቱ ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘግለለ ሹመት እዩ።ህወሓትን ህዝብን ዝወከሎ እናሃለወ ብኣቋረጭ ዝግለሉ፣ሕገ መንግስታዊን ህብረብሄራዊን ስርዓት ፌደራል እናፍረሰ ስለዝኾነ እዚ ሹመት ቕኑዕ ኣይኮነን።”

ኢትዮጵያ ካብ እትርከበሉ ድኽነት ዘውጽኣ መራሒ ኢና ንደልይ፣እቲ ሹመት በብሽዱሽተ ወርሒ ሓዱሽ ሰብ እናመፀ ስለዝኾነ እዛ ሃገር ተራጋጊኣ ንኽትጉዓዝ ዝተረጋገአ ኣመራርሓ የድሊየና ክብሉ ካልእ ኣባል ቤት ምኽሪ ርእይቶ ሂቦም።

ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘቕረቡ ካልእ ኣባል ቤት ምኽሪ ከምዚ ኢሎም።

“ንህወሓት ዘግለለ እዩ ዝብል ኣዚዩ ዝተጋገየ እዩ።ምኽንያቱ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገብረመድህን ተወላዲት ክልል ትግራይ እየን።ብሄረን ትግራይ እዩ።ናብ ምቑፃር ደም ምእታው ከየድለየ ኣብ ሹመት ካብኔ ክልል ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዝህልዎ ኣበርኽቶ ብዘማልእ ኣገባብ ዝቐረበ እዩ።”

ኣብ መወዳእታ መዝነት እቶም ሚንስትራት ኣብ ፓርላማ ካብዝተረኸቡ 298 ኣባላት ቤት ምኽሪ ብ21 ድምፂ ተቓውሞ ብብዝሒ ድምፂ ፀዲቑ’ሎ።ኣቶ ፀጋ ኣራጌ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውናን ፌደራል ክኾኑ ንዝቐረበ ሽመት ብ11 ተቓውሞ ብብዝሒ ድምጺ ሓሊፉ።ንኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ድምጺ ዘፅደቐ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሹመት ኣባል ቦርድ ዳንኤል ክብረት ርሱን ክትዕ ብምክያድ ብ148 ደገፍን ብ126 ተቓውሞን ኣፅዲቑዎ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ብቀ/ሚ ንዝቐረቡ ሓደሽቲ መዝነታት ኣጽዲቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:32 0:00




XS
SM
MD
LG