ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርቂ ካብ ድኻታት ዓለም ኣፍሪቃዊያን ህጻናት ምዃኖም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ኣብ ዓመተ 2030 ፍርቂ ካብ ድኻታት ዓለም ኣፍሪቃዊያን ህጻናት ምኳኖም ገሊጹ’ሎ።እዚ ሕሱም መጠንቐቕታ ዝወጸ ኣብ ዓለም ዝረአ ድኽነት ንምግጣም መራሕቲ 150 ሃገራት ዓለም ንናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምስታፍ ኣብ ዝዳለውሉ ዘሎ ጊዜ’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 17 ነጥብታት ዕላማ ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ተሰማሚዑ’ሎ።ቀዳማይ ነጥቢ’ዚ ስምምዕ ድማ ኣብ 2030 ሕሉፍ ድኽነት ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳስ’ዩ። ይኹን ደአ እምበር ብመሰረት ሪፖርት ትካል ህጻናት ኣድህን (ሴቭ ዘ ችልድረንን)ኢንስትዩት ምዕባለ ሃገራት እቲ ዓለምለኸ ሕሉፍ ድኽነት ምጥፋእ ዝብል ዕላማ ኣብ ኣፍሪቃዊያን ህጻናት ሸቶኡ ክወቕዕ ከምዘይክእል ይገልጹ።

ሓላፊ ትካል ህጻናት ኣድህን ጨንፈር ብሪጣንያ ኬቨን ዋትኪንስ ብመሰረት ዘለዎም ሓበሬታ ኣብ 2030 55 ሚእታዊት ካብ ኣብ ሕሉፍ ድኽነት ዝርኸቡ ዜጋታት ዓለም ኣፍሪቃዊያን ህጻናት ምዃኖም ይሕብሩ።

ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 87 ሚልዮን ኣፍሪቃዊያን ህጻናት ኣብ ድኽነት ይውለዱ፡ 40 ሚእታዊት ካብ ዜጋታት ኣፍሪቃ ድማ ብትሕቲ 1.90 ዶላር አታዊ ንመዓልቲ ይነብሩ ይብል።

“ብሓፈሻዊ ገምጋም ደቂ ኣንስትዮ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቆልዑ ይወልዳ። እዚ ድማ ኣብ ድኽነት ብትሑት ዓቐን ዝጎድለሉ ክፋል ዓለም’ዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ትሑት ዝኾነ ምዕባለን ኽከውን ከሎ ልዑል ዓቐን ዘይምዕሩይነት’ውን ካልእ ረቓሒ’ዩ” ክብሉ ዋትኪንስ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአ ሕሉፍ ድኽነት የረድኡ።

ንሶም ቀጺሎም ኣብ ድኽነት ዝተወልዱ ህጻናት ንልዑል ሓደጋ መሃይምነት፡ ዕድሚኦም ሓሙሽተ ዓመት ቕድሚ ምብጽሑ ንሓደጋ ሞት ፡ ምስ ዓበዩ ድማ ካብ ድኽነት ወጺኦም ክነብሩ ዘለዎም ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ኣፍሪቃዊያን መንግስታት ጥሙር ዝኾነ ፖሊሲ ብዘይምክታሎም፡ ከም ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF): ባንኪ ዓለምን ካልኦት ለገስቲ አካላትን ድማ ዝግባእ ግብረ መልሲ ብዘይምሃቦም ነቒፉ።

ሓላፊ ትካል ህጻናት ኣድሕን ጨንፈር ብሪጣንያ ኬቨን ዋትኪንስ እኹል ዝኾነ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንብድኽነት ዝነብሩ ህጻናት አካል’ቲ መፍትሒ ክከውን ከምዝግባእ ብምግላጽ ገንዘብ ጥራይ እኹል ከምዘይኾነ እዞም ህጻናት ካብ ድኽነት ከምልጡ ዝግባእ ኣገልግሎት መግቢ፡ ክትትል ጥዕናን ኣገልግሎት ትምህርቲን ከምዘድልዮም ይገልጹ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሪፖርት ምጉዳል ድኽነት ሸትኡ እንተዘይወቒዑ ዓለም ኣብ ዕላማታት ቐጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ኣብ ዓውድታት ትምህቲ፡ጥዕናን፡ ጾታዊ ማዕርነት’ውን ከምዘይትዕወት ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG