ኣዲስ ኣበባ —
ፈላማይ ደረጃ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተረኛ መጋባእያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰልፊ መጥቃዕቲ ቦምብ ፈጺሞም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሰባት ክሲ ክምስርት ፈቂዱ።
ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ አዲስ አበባ ምኽትል ኮሚሽነር ሓዊሱ ናይ ካልኦት መኮንናት ፖሊስ ጉዳይ ዋሕስ ንምውሳን ጽባሕ ቆጸራ ሂቡ’ሎ።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ጥላሁን ጌታቸው ዝተባህለ ተጠርጣሪ ቦምብ ብምትኳስ ብርሃኑ ዳፍር ከአ ነቲ ቦምብ ንጥላሁን ብምሃብን ካልኦት ተጠርጠርቲ ነቲ ቦምብ ብመኪና ናብ መስቀል አደባባይ ብምጉዓዝ ተኸሲሶም ኣለው።