ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ፡ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለጺ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ስልጣን ካብ ዝሕዙ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቀኛ ምርጫ ብምክያድ ተመሪፅካ ምግልጋል ናይ ባዕሎምን ናይ ውድቦምን ድልየት ምዃኑ ገሊፆም።ኣብ ክልል ሶማሌ ይፍፀም ዝነበረ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክውንነት ይፍፀም ኢልካ ንምእማን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም።ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ዝነበሩ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣይምልከትን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ቀዳምይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንፈለማ ግዜ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ሓቲቶም።ልዕሊ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ኣብዝወሰደ ጋዜጣዊ መግለፂ ካብ ዝቐረበሎም ሕቶታት ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ እንተኾይኑ ንዝብል ካብ ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንዝቐረበ ሕቶ ከምዚ ኢሎም።

“ብዛዕባ ምርጫ ለውጢ ሕዚ ስለተጀመረ እንተዝናዋሕ ዝብል፣ ብናተይ እምነተይ ትኽክል ኣይመስለንን።ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከገልግሎ ዝደሊ ኣብ ዝቕፅል ምርጫ እንተተዓዊተ ጥራሕ እዩ።ዝተረፈ ናይ ለውጢ ግዜ ብምምራሕ ንክናዋሕ ናይ ምድፋእ ድልየት ኣነን እቲ ውድብን ክሳብ ሕዚ የብልናን።እቲ ጉዳይ ንቕድሚት ዝልዓል እንተድኣ ኮይኑ ንህዝቢ ግሉጽ ኽከውን እዩ።”

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ቀጺሎም ከም ውድብ ዘሎ ድልየት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓቀኛን ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ምርግጋፅ እዪ ኢሎም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ሓቀኛን ዴሞክራሲያዊን ምርጫ ተረጋጊፁ። ኢህወዴግ እንተተዓዊቱ ዝሓዞም መደባት ብምሉእ ልቡ ንምዕዋት ዝጎየሉ፣እንተተሳዒሩ ድማ ንዘመናት ክዛረበሉ ዝፀንሐ ቃል ዝኾነ ይኹን ናይ ምክልኻል ስራሕ ከይሰርሐ ኢድ ነሲኡ ስልጣኑ ብምርካብ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ምዃኑ ከረጋግፅ እዩ እምነተይ።”

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምርጫ ኣውቶሜት ምግባር ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ምርጫ ትካል እውን ብኢህወዴግ፣ብተቓወምቲ፣ብህዝቢን ብተዓዘብትን ዝእመን ኮይኑ ምውዳብ ናይ ዝቕፅል ዓመት ቀንዲ ስራሕና ክኸውን እዪ ኢሎም።

ኣብ ክልል ሶማሌ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ከምዚ ኢሎም።

“ኣብቲ ከባቢ ይፍፀም ዝነበረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም መንግስቲ ኩነታት ምውሳድ ስጉምትን ኣብ ፊልም ዝርአ ወይ ኣብ ልብ-ወለድ ዝንበብ እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ምዃኑ ዘጠራጥር እዩ።ብዙሓት ዘሰንብዱ ነገራት ተፈፂሞም፤ንኣብነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣረምቲ ሰባት ምስ ኣንበሳ፣ዝብእን ነብርን ሓቢሮም ይእሰሩ።እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ይኸብድ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እሱራት ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ጥራሕ ከይኮነስ ትፅቢት ዘይግበር እውን ንክዛረቡ ከም መፈራርሒ ኮይኑ ዝሕግዝ ስልቲ እዩ።…ሰባት ይድፈሩ፣ሃብቲ ይዝረፍ፣ሰባት ይሞቱ፤ኣብ ጂግጂጋ ዝተፈፀመ ነገር እውን ከምዚ ዝበለ መልክዕ ኣለዎ።”

ኣብቲ ከባቢ ዝፍፀሙ ነገራት ንክልል ሶማሌ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዞባ ብዝህውኽ ኣገባብ ዝተሃንደሰ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ድሬዳዋ ኮነ ተባሂሉ እቲ ዕግርግር ናብ ጅቡቲ ንምጋፋሕ ብዝዓለመ ዜጋታት ጅቡቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም ነይሩ ኢሎም።

ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንናይ ቀደም ፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማሪያም ከምዘይሓውስ’ውን ኣብዚ አጋጣሚ ሓቢሮም።

“ሕጊ ኣዋጅ ትሕቲ ሕገ መንግስቲ እዩ።ጉዳይ ቀይሕ ራዕዲ ንኣዋጅ ምሕረት ከምዘይምልከት ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ኣቐሚጡዎ’ሎ።ስለዚ ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ኮሎኔል መንግስቱ ብምሕረት ናብ ኢትዮጵያ ኣይኣትውን።ነዚ ዓንቀጽ ሕገ መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ ዕድል ንቕድሚት እንተጋጢሙ ንሶም እውን ክሕወሱ ይኽእሉ እዮም።ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ኣብ ቀይሕ ራዕዲ ዝተሳተፉ ሓይልታት ብምሕረት ኣዋጅ ምትእንጋድ ከምዘይክኣል ኣቐሚጡዎ’ሎ።”

ህንፀት ግድብ ህዳሴን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ኣመልኪቶም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ምኽንያት ምጉታቱ’ቲ ስራሕ ብናይ ምክልኻል ኢንጂነሪንግ ቴክኖሊጂ ትካል ወይም መቴክ ብምትሓዞም እዩ ኢሎም።

“ዓብይ ውጥን እዩ።እንተድኣ ዘይሰሪሕናዮን ዘይፈፅሚናዮን ኣዚዩ ዘሕፍር፣ እንድሕር ዛዚምናዮ ኸኣ ዘኹርዕ እዩ።ንሕና ንምዘነሉ ዓበይቲ ነገራት ብምሕሳብና ዘይኮነስ ዓበይቲ ነገራት ብምስራሕ እዩ ክኸውን።ንምስራሕ ዘለና መንገዲ እንታይ ይመስል ንዝብል ጉዳይ ብናተይ እምነት ምሽፍፋን ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።ኣፅኒዑ ዘቕርበለይ ሓደ ጉጅለ ኣጣይሸ።እቲ ውፅኢት ከምዝሕብሮ እቶም ፕሮጀክትታት ካብ መቴክ ብቕልጡፍ ተወሲዶም ልምዲ ንዘለዎም ኩባኒያታት እንተድኣ ዘይተዋሂቦም ብዝተዛረብኩዎ ዕድመ ጥራሕ ከይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ግዜ ፀኒሑ እንተኾነ እውን ንምዝዛም ዘስግእ እዩ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣሜሪካ ምስተመለሱ ናይ ጥዕና ፀገም ኣጋጢሙዎ ነይሩ ዝብል ብዛዕባ ዝውረ ጌጋ እዩ ፍጹም ጥዑይ እየ ኢሎም።’’ሓሚመ ኣይፈልጥን፤ኣዚዩ ጥዕና ዝተሰመዐኒ እዋን ካብ ናይ ኣሜሪካ መልሲ እዩ’’ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጸብጻብ፡ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለጺ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:37 0:00

XS
SM
MD
LG