ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ክኻየድ ዝተወጠነ ምርጫ ነጻን ፍትሃዊን ከምዝኸውንን ከምዘይናዋሕን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2020 ዓ.ም ዝኻየድ ምርጫ ነጻን ፍትሃዊን ከምዝኸውንን በቲ ኣብታ ሃገር ዝተኣታተው ዘሎ ለውጢ ፖሊስ፡ ቁጠባን ዲፕሎማስን ድማ እቲ ምርጫ ከምዘይናዋሕ ብቐዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ነቲ ብመንግስታዊ ትካላት ዝዕብለል ቁጠባ’ታ ሃገር ንምክፋትን ነቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ውጥረት ንምፍታሕ ስጉምቲታት ምውሳዶምን ይፍለጥ።

ንሶም ብቐዳም ንመጀመርያ ጊዜ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ዝመጽእ ቁሩብ ኣዋርሕ ባንኪ ዓለም 1 ቢልዮን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዝህብ፡ እዚ ድማ “ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ለውጢ’ዩ” ኢሎም።

ዓለምለኸ ባንክ ዝርከብዎም ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ድሕሪ ንናይ 2005 ዓ.ም ምርጫ’ታ ሃገር ስዒቡ ብዝተላዕለ ተቓውሞን ግጭትን ምክንያት ነቲ ሃገር ዝህብዎ ዝነበረ ሓገዝ ደው ምባሎም ይዝከር።

“ምስ ኤርትራ መስርሕ ሰላም ካብ ዝጅመር ንደሓር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኾነ ልቓሕ ክህቡና ዝደልዩ ትካላት ቁጽሮም ወሲኹ’ዩ። ንኣብነት ዓለምለኸ ባንክ ንናይ ኢትዮጵያ ባጀት ብቐጥታ ሓገዝ ሂቡ ኣይፈልጥን ንዝመጽእ ኣዋርሕ ግን 1 ቢልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ሓገዝ ክህብ’ዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ንምዝዛም ነታ ኣብ 2020 ዓ.ም ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ’ታ ሃገር ከምዘይመሓለፍ ሓቢሮም።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ድማ ዝመጽእ ዓመት ነጻ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዘድልይ ምድላው ኣተኹሩ ከምዝሰርሕ ገሊጾም።

ንሶም ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ብዝምልከት “ ኣብ ክልል ሶማል ዘጋጠመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ’ዩ ኢልኻ ክትኣምኖ ዘጸግም’ዩ። ካብ ፊልም ወይ ልብ ወለድ ዝተወስደ’ዩ ዝመስል፡ ብጣዕሚ ዘፍርሕ ነገር’ዩ አጋጢሙ። ኣብቲ ሰባት ዝእሰርሉ ቦታ ከም ኣንበሳ፡ ነብሪን ዝብኢን ዝኣመሰሉ ኣራዊት’ውን ይሕዙ ኔሮም። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ’ዩ ኢልኻ ክትኣምኖ’ውን የጸግም’ዩ። እዚ ድማ እሱራት ብምስንባድ ቃሎም ክህቡ ንምግባር ዝጥቐምሉ ሜላ’ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG