ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር


⚽ ጸብጻብ ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:49 0:00

⚽ ጸብጻብ ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር

ኣብ ናይ ትማሊ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ አርጀንቲና ንክሮኤሽያ 3ብ0 ብጸወታ’ውን በሊጻ ስዒራታ።

አብ’ቲ ጸወታ ሞተር’ታ ጋንታ ልዮነል ሜስይ፣ ግቡኡ ፈጺሙ ኣሎ። ጋንታ ክሮኤሽያ፣ እቲ ዝነበራ ዓቅሚን ምትዕጽጻፍን ትማሊ ኣይነበረን። ሓለቓ'ታ ጋንታ ሉካ ሞድሪች’ውን ከም ቀደሙ ኣይኮነላን።

ናይ ሎሚ ረቡዕ 2ይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣብ ሞንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ኮይኑ አሎ። ጋንታ ፈረንሳ ንሞሮኮ እንተሲዒራን ናብ ግጥም ጽዋዕ መን ዓተረ እንተበቂዓን፣ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት፣ ማዕረ ብራዚል፣ ንዝዓተረታ ጽዋዕ ኣብ ኢዳ ንምጽናሕ ዝገጠመት ጋንታ ክትኮን እያ።

ምስ ጋንታ ብራዚል ተሰሊፉ ቅድሚ 20 ዓመት ጽዋዕ ዓለም ዘልዐለ ሮናልዶ፣ ጋንታ ኣርጀንቲና ናይ ሎሚ ዘበን ጽዋዕ ዓለም ብዛዕባ ምውሳዳ ኣካታዒ ርእይቶ ይህብ።

ንሱ ክዛረብ ከሎ ‘ተጻወቲ ጋንታ ኣርጀንቲና ሓያል ድልየትን ናህሪን ዓወት ካብኡ ዝሰገረ ወሳኒ ኣበርክቶ ሜስይ እንተዘይኮይኑ እታ ጋንታ ናብ ጽዋዕ ዓለም ዘብጽሕ ብቅዓት ዘይብላ ጋንታ እያ’ ክብል ይግምግም።

XS
SM
MD
LG