ዋሽንግተን —
ኣብ ናይ ሎሚ ግጥማት ናይ መወዳእታ ክልተ ግጥማት ምድብ 16 ዝተካየደሉ ኮይኑ ቀዲመን ዝተራኸባ ጋንታታት ስጳኝን ብሕታዊት ተስፋ ኣፍሪቃ ኮይና ጋንታ ሞሮኮን እየን።
ናብ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ በቂዖም። ስጳኛዊያን ሰለስቲኤን ፈተነታት ኣምኪኖምወን። ሞሮካዊያን ካብ 4 ፈተነታት ነተን 3 ኣቁጺሮምወን። 3 ን 0 ጸወታ ተዛዚሙ። ሞሮኮ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ተጸሚቢራ ኣላ።
ኣብ ታሪኽ ጋንታታት ኣፍሪቃ፣ ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝበቅዓ ሰለስተ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ። ካሜሩን፣ ሴነጋልን ሞሮኮን። መጋጥምቲ ሞሮኮ፣ ካብ ፖርቹጋልን ስዊዘርላንድን ክትኮን እያ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ክትፍለጥ’ውን እያ።