ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋናን ኡራጋይን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣይቀንዓን


ጋናን ኡራጋይን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣይቀንዓን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:02 0:00

ጋናን ኡራጋይን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣይቀንዓን

ጋናን ኡራጋይን ናይ ቅድሚ ሕጂ ሕዱር ኒሕ ጸኒሑወን’ዩ። ተጻዋታይ ኡራጋይ ልዊስ ስዋረዝ ኣብ ናይ 2010 ጽዋዕ ዓለም ኣብ ውዱእ ሰዓት ንጋና ናብ ርብዒ ፍጻመ ካብ ምሕላፍ ከልኪሉዋ’ዩ። ኣብ እዋኑ ስዋረዝ ነታ እትውቲ ኵዕሶ ብኢዱ ምስ መለሳ፡ ኣብ ጋና ብዝፈጠሮ ቍጠዐ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ስሙ ኣብ መዝገብ “ክልኩላት” ሰፊሩ ነይሩ። ብጋናውያን “ሰይጣን” ዝብል ሳጓ’ዩ ወጺኡሉ።

ብዛዕባ’ቲ ናይ ሽዑ ፍጻመ ይቕረታ ክሓትት ምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ተሓቲቱ ድማ “ነታ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓተ ጋናዊ’ዩ። ስለዚ ኣነ ይቕረታ ዝሓተሉ ምኽንያት የሎን” ኢሉ።

እታ ንምሉእ ደጋፊ ኣፍሪቃ ዘሕዘነት ኣጋጣሚ እምበኣር ሎሚ ሕነ’ዶ ይፍደዮ እናተባህለ’ዩ ናብቲ ውድድር ተኣትዩ። ጋናውያን ሕነ ክፈድዩ ድማ ብዙሓት ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ተስፋን ክውንነትን ግን ኣይተጋጠምን። ጋና ኣብ መበል 20 ደቓይቕ ዝረኸቡዋ ናይ ፍጹም ቅላዕ ዕድል ስሒቶም።

ኣይጸንሑን ኡራጋያውያን ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ክልተ ሸቶታት ኣቝጺሮም። ጸወታ ብዓወት ኡራጋይ 2 ብ0 ተዛዚሙ። ካልእ ግጥም ንውጽኢት እቲ ጸወታ ይጸልዎ ስለ ዝነበረ ግን ኡራጋይ ሕልማ ኣይሰመረን። እታ ትሑት ግምት ተዋሂቡዋ ዝነበረት ደቡብ ኮርያ ንፖርቱጋል ስለ ዝሰዓረት ኡራጋይ ካብ ምድባ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን።

ደገፍቲ ጋና ጋንታኦም ዘይምስዓራ እኳ እንተ ሓዘኑ፡ ልዊስ ስዋረዝ ሓዚኑ ምርኣዮም ግን መጠናዊ ደበስ ረኺቦም ይዀኑ’ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ካብቲ ምድብ ጸወተአን ዘካየዳ ፖርቱጋልን ደቡብ ኮርያን’የን። ደቡብ ኮርያ ንፖርቱጋል 2 ብ1 ስዒራታ። ፖርቱጋል ምሕላፋ ኣቐዲመ ኣረጋጊጻ ጸኒሓ’ያ። እንተዀነ እታ ክሪስትያኖ ሮናልዶ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል፡ ነቲ ሓለቓ ጋንታ ናይ መወዳእታ ጽዋዕ ዓለም ምዃኑ ብዙሓት ዝምስኩሩሉ ሮናልዶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘርእዮ ዘሎ ጠባያት ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብወዲ ጋንታኡ ብሩኖ ፈርናንደስ ዝተቐልዐት ኵዕሶ፡ ብርእሱ ከም ዝተንከፋን እታ ሸቶ ድማ ብስሙ ክትምዝገብን ተኸራኺሩ። እቲ ጥርዓን ብጋንታኡ ናብ ፊፋ ቀሪቡ። ፊፋ ምስ ኣፍራዪ ትካል እተን ናይ ጽዋዕ ዓለም ኵዕሶታት ዝዀነ ትካል ኣዲዳስ ብዝገበሮ ምርመራ ድማ ነታ ኵዕሶ ከም ዘይተንከፈት ከረጋግጽ ክኢሉ።

ብሓፈሻ ናብ ናይ ኣውዲቕካ ግጥማት ካልኣይ እብረ ሓሊፈን ዘለዋ ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ ክሮኦሽያ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጃፓን፡ ሞሮኮ፡ ኔዘርላንድስ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፥ ሴነጋል፡ ስጳኛ፡ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያንን ኰይነን ኣለዋ። ካብ ኣፍሪቃ ናብ ካልኣይ ዙር ሓለፈን ዘለዋ ሞሮኮን ሰነጋልን’የን።

XS
SM
MD
LG