ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንጉዳይ ሰላምን ዕርቅ ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዘትዮም


መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ዕርቅን ጠሚቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ንምስፋን መራሕቲ ግቡኦም ክፍፅሙ ጻዊዒት ቐሪቡ።

ዶክተር ደብረፅዮን ብግዲኦም ሰላም ኣብ ትግራይ ኣሎ እዩ ኣብ ኩሉ ከባቢ ሰላም ክህሉ ድማ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ሰላምን ዕርቅን ዝተካየደ ዘተ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኢትዮጵያ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፀሎት ተጀሚሩ ብፀሎት’ዩ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ዘተ ፓትሪያሪክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ይመዛበሉ ይቕተሉን ኣለው። ህፃናትን ሽማግለን እውን ይገላትዑ ኣለው ክብሉ ተዛሪቦም። እዚ ድማ ሓደጋ እዮ’ሞ ብፍላይ መራሕቲ ዓዲ ጠመተ ገይርኩም ስርሕሉ ኢሎም።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ መሓመድ ኣሚን ብወገኖም እቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ፖለቲከኛታት ምዃኑ ኣብ ሰላም ጠሚቱ ኣብ ዘካየድናዮም መድረኻት ህዝቢ ነጊሩና እዩ እሞ፤ ሰዓርን ተስዓርን ዘይብሉ ንሰላም ኣቐድሙ ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ዓበይቲ ዓዲ ድማ መራሕቲ ንሰላም ደው ክብሉ ምሕፅንታ ካብ ዘቕረቡ ወ/ሮ ማርያ ዝተበሃላ ወላዲት እየን "ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዘለዉ ተማሃሮ ጥራሕ እዮም ብሰላም ዝመሃሩ ዘለዉ። ኣብ ካልኦት ሰላም ስኢኖም ይሕመሱ ኣለዉ። እዚ ድማ ንኣዴታት ምሒር የቑስለና'ሎ" ኢለን።

ካልእ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ኣካል እቲ ጉጅለ ዝኾኑ ድማ ኣባላት ኢህወደግ ዝኾንኩም ፈለማ ኣብ ሞንጎኹም ስኒት ኣውርዱ እሞ ንካልኦት ይቕሬታ ምሃሩ ኢሎም።

ዶ/ር ደብረጽዮን ብወገኖም ፖለቲካዊ መራሕቲ ግቡእና ስለ ዘይሰራሕና ኢኹም መልእኽቲ ሰላም ሒዝኩም ትፅዕሩ ዘለኹም ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን መስዋእትነት ይኸፍል ኣሎ ማእኸላይ መንግስቲን ጎረቤት ክልል መንግሰት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግሰትን ትግራይ ዘሚቱ ኣሎ ኢሎም ተዛሪቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ብተወሳኺ እቲ ፀገም ዝተፈጠረ ኣብ መንጎ ኣባላት ውድባት ኢህወደግ ዘሎ ሕብእብእ ዝወለዶ እዩ ኢሎም ።

ምስ መሪሕነት ክልል ኣምሓራ ኣቀራሪብና ክነዛትየኩም ዝብል ሓሳብ ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለ ዓድን ዝቐረበሎም ኮይኑ ዶክተር ደብረፅዮን ድማ "ቅድሚ ሕጂ እውን ንኣይተ ገዱ ናብ ዝደለዮ መፂአ ክንዛተ ፍቓደኛ ከምዝኾንኩ ገሊፀሉ እየ" ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለ ዓዲን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበሮም መድረኽ ኣይተ ገዱ እውን ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ንምዝርራብ ድልዊ እየ ከምዝበሉዎም እቶም ተወከልቲ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG